Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
Africaዜና ትግርኛ
0

ሱዳን፡ ተራፀምቲ ሓይልታት ሱዳን ን 72 ሰዓታት ተኩሲ ምቋም  ስምምዕነት በፂሖም

ናይ ሱዳን ሰራዊትን ፈጣን በፃሒ ሓይልን ን72 ሰዓታት ተኩሲ ምቋም  ስምምዕነት ምብፀሖም ተሓቢሩ፡፡  ናይ ኣሜሪካ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ ትማሊ ሰኑይ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተኩሲ ምቋም ስምምዕነት ግብራዊ ከም ዝኮውን ተዛሪቦም፡፡ እዚ ስምምዕ ኣብ መንጎ ተራፀምት ሓይልታት ን 48 ሰዓታት ዝወደአ ሽምግልና ድሕሪ ምግባሩ ዝተበፀሐ ስምምዕ ምኳኑ ወሲኮም ገሊፆም፡፡

 ናይ ሱዳን ተራፀምቲ ሓይልታት ተኲሲ ስምምዕ ምግባሮ ን ሳልሳይ ግዘ እዩ፡፡ ናይ ሐዚ ስምምዕ ግብራዊ ከምዝገብርዎ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ንምውፃዝ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ፡፡ 11 መዓልቲ ዝሓዘ ጎንፂ ዛጊድ 427 ዜጋታት ንሞት እንስጥሑ  ልዕሊ 3700

 ድማ  ጉዳኣት ከምዝበፅሖም ማዕከናት ዜና ዓለም እናገልፁ ይርከቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *