ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ከተማ መቐለ ዝሓዞም ፕሮጀክታት ሙሉእ ብሙሉእ ንምዝዛም ዘይተሓለለ ፃዕሪ የካይድ ኣሎ ።
ሱር ኮንስትራክሽን ቅድሚ ፅንተታዊ ኲናት ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ልዕሊ 96 ኪ/ሜ ርሕቐት ዝሽፍኑ 53 ዝተፈላለዩ ናይ ኣስፋልትን ፀፀርን መንገድታት ብ 9.5 ቢልየን ብር ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ምስላጥን ምውጋንን ይርከብ ክብል ሓቢሩ ።
ካብዚኦም እቶም 34 ኪ/ሜ ዝሽፍኑ 16 መንገድታት ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሞም ስሩዕ ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመሩ እዮም።
እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ድማ ምስ ቴሌን ሓይሊ መብራህትን ብምውዳድ ስራሕቱ ኣብ ምስላጥ ይርከብ።
ምስ እዞም ስራሕቲ እዚኦም ጥራሕ ብዝተኣሳሰረ ድማ ይብል እቲ ኩባንያ ን 884 መዓልታውን ናይ ኮንትራትን ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ እዩ።
