ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምሕካምን ምክልኻልን ሕማማት ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንመሓውሩ ስልጠና ይህብ ኣብ ዘለሉ መድረኽ መልእኽቲ ዘሕለፉ ተተካኢ ሓላፊ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምሕካምን ክንክን ሕማማት ዝኾኑ ዶ/ር ስምኦን ገብረፃድቅ፣ ሰብ ሙያ ጥዕና ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብትኹረት ክነጥፉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ብወሳኺ ተገልገልትና ሓሚሞም ናብ ትካላት ጥዕና እንትመፁ ድማ ሰለጤንን ፅሬትን ዘለዎ ግልጋሎት ብሓልዮትን ኣኽብሮትን ክረኽቡ ይግባእ ኢሎም።
ማሕበረሰብና ፀገም ጥዕና እንተጋጥሞ ገንዘብ ካብ ጅብኡ ከፊሉ ንምሕካም ኣዝዮ ኣፀጋሚ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶ/ር ስምኦን፣ ነዚ ንምቅላል ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ምትእትታዉ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።
ብምዃኑ እውን ነዚ ዝምልከት ስልጠና ምሃብ ከምዘድሊ ብምግንዛብ ምስ ዳሬክቶሬት ፈፃሚ ስራሕ ስትራተጂ ጉዳያት ሚኒስትር ጥዕና ፌደራል ብምትሕብባር እዚ ስልጠና ከምዝተዳለወ ገሊፃም።
ኣብቲ ስልጠና ምሕደራ ሃፍትን ስራሕቲ ቦርድን ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዝቐረበ ኾይኑ፣ ተሞክሮ ስራሕቲ ማሕበር ምግባረ ሰናይ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ድማ ብተወካሊ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ቀሪቡ።
ኣብቲ ስልጠና ሜዲካል ዳይሬክተራት ሓለፍቲ ፋይናንስ ሆስፒታላት፣ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ጥዕና፣ ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ሆስፒታላትን ዳሬክተራት ጣብያታት ጥዕናን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከምተረኸቡ ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

