Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰበር ዜና፡ ሳይቨ ባፖር ትግራይ  ፡ነፃ ሚድያ ኣብ ትግራይ ክህሉ ብዘይደልዩ ልኡኽ ሃከራት መጥቃዕቲ በፂሕዎ

ሳይቨ ባፖር ትግራይ  ዓመታዊ ዝክረ ክበረ ባዓል ፅንብል ኣብ ዘክብረሉ እዋን ፡ነፃ ሚድያ ኣብ ትግራይ ክህሉ ብዘይደልዩ ልእኽ ሃከራት መጥቃዕቲ በፂሕዎ፡፡ ኣፕሪል 29 2023 ሳይቨ ባፖር ትግራይ  ዓመታዊ ዝከረ በዓል ኣብ ዙም ኣብ ዘክብረሉ እዋን ተለኣኣክቲ ሃክራት ኣስነዋሪ ተንቀሳቀሲ ምስሊ ፀታዊ ተግባር/ ፖርኖግራፊ ኣብ ዙም ንዕዱማት ኣጋይሽ ብዘድንግፅ መልክዑ ኣቅሪቦም፡፡ ኣብቲ ዙም  ዝካየድ ዝነበረ ስብሰባ ብቀጥታ ኣብ ፌስቡክን ዩቱብን ይመሓላለፍ ስለዝነበረ እቲ ኣስነዋሪ ምስሊ ሕግታት ጎጉል ዝጣሓሰ ብምኳኑ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ሳዓብቲ ዘለዎ ቻነል ፣ ብኣማኢታት ዝቁፅር መምሀርቲ ቪድዮታት ሓዊሱ ብጎጉል ክዕጾ ተገዲዱ፡፡

ኣብቲ ዝክረ በዓል ዝነበሩ ናይ ክብሪ ጋሻ ፕ/ሮ ገላውዴዎስ ኣራኣያ እዚ ኣፀያፊ ተግባር ኣብ ትግራይ ነፃ ሚድያ ከይህሉ ዘይደልዩ ኣካላት ዝተፍፈፀመ መጥቃዕቲ ምኳኑ ብምግላፅ እቲ ክብረ በዓል ደሚቁ ክቀፅል ድሕሪ እቲ ኣስነዋሪ ቪድዮ ኣታሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ ፅምብል  ብዙሓት ኣጋይሽ ዝተረከብሉን ዓበይቲ መልእክትታት ዝተመሓለላፈሉን ኣዚዩ ዝደመቀ ነይሩ፡፡ ናይቲ ዕለት ክቡር ጋሻ ዝኮኑ ፕ/ር ገላውዴዎስ ኣራኣያ  ብዛዕባ ነጻ ሚድያን ዴሞክራስን ፣ ኣድላይነት ሚድያ ኣብ ዝማዕበላ ዓድታት ይኩን ኣብ ገና ከም ትግራይ ዝበላ ዓድታት ዝምልከት ምህራዊ ሓሳብ  ብዝርዝር ኣቅሪቦም፡፡ እምባ ገነን መንግስታት ድክመቶም ንምሽፋንን  ኣብ ካረጃ ስልጣን ንምቅናይን ክብሉ ፤ ነፃ ሚድያ ክህሉ ኣይፈቅዱን ብምባል ኣብ ዝማዕበሉ ዴሞክራሲያዊ ዓድታት ግን መንግስቲ ድክመታቱ ክርእን መፍትሒ ከናድን እምንቲ ነጻ ሚድያ ክህሉ ከም ዝብህግ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ፅንብል ብርክት ዝበሉ ሙሁራንን ዕድማት ኣጋይሽን ንሳይቨር ፖወር ትግራይ ካብ ፈለማ ምስረትኡ ጀሚሩ ፤ ነጻ ሚድያ ምኳኑ  ብምሕባር ዘለዎም ናእዳን ኣክብሮትን ድሕሪ ምግላፅ ፤ ነጻ ሚድያ ኮይኑ ክቅፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብቲ በዓል ዝተረከቡ  ኣይተ መርስኤ ኪዳን ብወገኖም ነፃ ሚድያ ንሕውየትን ስግግርን ትግራይ ቁልፊ ምኳኑ ብምግላፃ ሳይቨር ዝጀመሮ መደባት ከቅፅልን ነፃ ኮይኑ ዓብዩ ትካል ኽከውንን ምክረ ሓሳቦም ለጊሶም፡፡

ናይ ሳይቨር ፖወር ትግራይ መስራትን  CEOን ዝኮኑ ኣይተ ኤፍሬም መስፍን ድማ እቲ ሚድያ ነፃ ኮይኑ ብምቅጻሉ ብዛሓት ፈተና እናጋጠሞ ከምዝመፀን ብፍላይ ኣብ ክልተ ጫፋ ኣተሓሳስባ ዘለው ተቋወምትን ገዛኢ ውድብን ብክልቲኡ ቅሬታን መረረትን ከምዝገጥሞም ብምግላፅ ፤  ኣብቲ ፅምብል ዘጋጠመ ኣስነዋሪ ቨድዮ ፤ ሳይቨር ፖወር ትግራይ ነፃ ሚድያ ኮይኑ ክቅፅል ካብ ዘይደልዩ ኣካላት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ምኳኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ኩነታት ብ ገበርቲ እኪ ክም ዝተፈፀመ ብምጥቃስ ናይቲ ሚድያ ቻነል ናብ ስርሑ ክምለስ ንትካል ጎጉል ደብዳቤ ከምዝፃሓፉ ሓቢሮም፡፡ ሳይቨር ፖወት ትግራይ በቲ ዘጋጠሞ ፈተና ንድሕሪት ዝምለስ ራኣይ ኮነ ዕላም የብሉን ብምባል ነፃን ብርቱዖን  ንህዝቢ ዝወገነ ሚድያ ኮይኑ ከም ዝቅፅል ኣፍሊጦም፡፡

ንሳይቨር ፖወር ትግራይ ወኪሎም  ብዛዕባ እቲ ሚድያ ዝሰርሖ ስራሕትን ናይ ቀፃሊ መደባትን ዘቅረቡ ኣይተ ገብረትንሳኤ ወልደሚካኤል ሳይቨር  ፖወር ትግራይ ነፃ ፣ በዓል ራኣይን ብርቱዑን ሚድያ ኮይኑ ከም ዝቅፅል ብምግላፅ ትግራይ ንምሕዋይን ንምስጋርን ኣብ ሰባኣዊ ልምዓት ብምስራሕ  ሕድሕድ ትግራዋይ ኣብ ዓለም ዘዋዳድሮ  ፍልጠትን  ክእለትን ፤ኣመላክታን ግንዛበን ክጭብጥ እንተሎ እዩ ኢሎም፡፡ ስራሕቲ ሚድያታት ድማ ብቀጥታ ምስ ህንፀት  ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝተሓሓዝ ስለዝኮነ ዓብዩ ጥንቃቀ ዘድልዮ ሸነክ ምኳኑ ገሊፆም፡፡

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ዝሓዞ ራኣይ “ዴሞክራስያዊ ባህሊ ዝወነነት ፣ ምዕቡልን ቅሱንን ተወዳዳራይ ማሕበረሰብ ዝሃነፀት ትግራይ ምርኣይ   ምኳኑ ብምግላፅ፤  ካብ መንግስታዊን ፖለቲካዊ ውዳበን ተፅዕኖ ነጻ ዝኮነ ብርቱዑ ሚድያ ብምህናጻ መምሃራይ ፣ ፈጣንን ፅጹይን ሓበረታን  መዘናግዕን መደባት ብምቅራብ ህዝቢ ትግራይ  ካብ ዘለዎ ፀገም ተናጊፉ ናብ እዋኑ ዝምጥኖ ምዕባለ ዓለም ቅድሚት ክሳገር ብምስራሕ እቲ ሚድያ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ዝሓዞ ዕላማ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ካብ ዝሓዞም ዝመሓላለፉ መደባት ድማ ፡ ዛንታና (ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ታሪክ ፣ ቅያ ፣ ባህሊን ብሓፈሻ መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዘቅርብ መደብ) ፣ መደብ ሕግን ፍትሕን (ልዕልና ሕጊ ክነግስ፣ ፍትሒ ክሰፍን ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓን ስርዓትን ክህነፅን ዴሞክራስያዊ ባህሊ ክምዕብል  ዘክል ኣተሓሳስባ ንምጭባጥ ዝቀርብ መደብ ) ፣ መደብ ሳግር ትግራይ (ትግራይ ካብ ዘላቶ ኩለመዳያዊ ድሕረት ናብ ቅድሚት ምዕባለ ዘሳጉሩ ቴክኖሎጂ ሓዊሱ ብሉፃት ሓሳባት ዝቀርብሉ መደብ ) ፤ ወጥር ኣብ ክልተ በላሕቲ ጫፍ ዝርከቡ ሓሳባት ክትዕ ዝንሸራሸረሉ ፣ ኣማናታእትን ፈተንትን ሕቶታት ዝቀርብሉ መደብ) ፤ ቅንያት ሳይቨር (ሰሙናዊ  ፅማቅ ሓበሬታን ሙቁቅ እዋናዊ ዛዕባ ትግራይ ፣ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካን ዘቅርብ መደብ) ፤ ጥዕናን ማቻን/ ሄልዝ እንድ ዌልነስ (ትግራዋይ ምሉእ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጥዕና ዝወነነ ፤ ነብሰ ወከፍ ዝያዳ ዕዉት ህላወ ዝፈልጡሉን ምርጫታቱ ብነጻ ክጻወት ዘክእል ስብእና ክውንን ዘምህር መደብ ) ዝኣመሰሉ መደባት ከም ዝርከብዎም ብምሕባረ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ፀገም ንክትናገፍ ነፃ ፣ ብርቱዕን በዓል ረኣይን ዝኮና ብዝሓት ሚድያታት ከምዘድልያ ፣ ነዚ ድማ ኩሉ ትግራዋይ ክሕግዝ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኽቡራት ተከታተልቲ መደብና ፡ ምእንተ ነጻናን ብርቱዑን ሚድያ ኣብ ትግራይ  ክህሉ ፤ ሼር ሳብስክራይ ብምግባር መደባትና የባፅሑ ፤ይከታተሉ፡፡

ምስ ሳይቨር ፖወር ትግራይ ንቅድሚት!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *