እቶም ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ካብ ጣብያታት ዓዲፀፀር፣ገምሃሎ፣ኣደመይቲ፣ባድመን ዓዲ ኣሰርን ተጨውዮም ዝተወሰዱን ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከቡን ወገናት ኩሎም መናእሰይ ከምዝኾኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ መብራህቱ ገዛኢ ገሊፆም።
እቲ ኣራዊት ሰራዊት ኣብ ከተማ ባረንቱ ዘጣየሾ ቤት ማእሰርቲ ጎዳጉዲ ትሕቲ መሬት ዝበዝሖን ንፋስን ብርሃን ፀሓይን ዘይኣትዎን ከምዝኾነ ኣይተ መብራህቱ ሓቢሮም።
እቶም ዝተጨወዩ ወገናት ኣብዚ ምድራዊ ሲኦል ዝኾነ ቤት ማእሰርቲ ኩርንኩሪት ተኣሲሮም ከቢድ ስቓይ ይበፅሖም ምህላዉ ተሓቢሩ ‘ሎ። እዞም ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት መዓልታዊ ቀለብ ሓንቲ ባኒ ጥራሕ ትትኮበሎም ከምዘላ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ድወት
ፎቶ ፋይል
