Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተወሰኽቲ ቦታታት ይግብት ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወረዳ ጉለምኸዳ ዝርከባ ጣብያታት ኣዲስ ኣለም፣ ኣዲስ ተሰፋን ማርታን ከምኡ እዉን ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከባ ጣብያታት እንዳልጌዳን ወርዓትለን ሙሉእ ንምሉእ ጣብያታት ዓሌቲናን ዓጋራሎኮማን ድማ ብዉሱን መልክዑ ወሪሩ ሒዙወን ይርከብ።

ብዘይካ እዚ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ኣብ ወረዳ ጉለምኸዳ ዝርከባ ጣብያታት መዛብር፣ሸዊት ለምለም፣ቅልዓትን ርግባይ መደባይ እዉን በቲ ወራሪ ሓይሊ ናይ ስግኣት ቀጠና ኮይኑ ስለ ዘሎ ነበርቲ ተረጋጊዖም ማሕበራዊ ርክባቶም ከሳልጡ ኣይከኣሉን።

ኣብ ወረዳ ኢሮብ እዉን እንተኮነ ናብ ከባቢታት ስቢዳ፣ዓደጋ፣መድዓ፣ጋራንጓይራን ዓሰፋትን ኩሉ ግዜ ምትንኳይ እናገበረ ህዝቢ ክርዕድ እናሰርሐ ይርከብ ክብሉ ኣረዲኦም።

ሎሚ ቅነ ድማ ኣብ ከባቢ ሰበያ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ቦታ ናበይ ከም ዝኸደ ስለ ዘይፍለጥ ነዚ ስዒቡ ኣብ ከባቢታት ብልሕቲ ጓል ብልሕቲ ዝነበረ ሰራዊት እቲ ዉልቀ መላኺ ናብ ከተማ ሰበያ፣ገረሳ፣እግሪ መድዓን ከባቢታት ቡሖሎን ብምእታዉ ራዕዲ እናፈጠረ እዩ።

ኣይተ ገብረ ሐዚ እዉን ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብህፁፅ ተግባራዊ ኮይኑ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ ንፅዉዕ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *