Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰራዊት ኢኮዋስ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንኽወስድ ‘ኣብ ተጠንቀቕ!’ ክጸንሕ ተወሲኑ

ኣብ ጉዳይ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ዝመኸሩ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ “ቅልጡፍ” ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ንዝቐረበ ሓሳብ ከምዘጽደቝ ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ፡ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ “ድሉው” ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምውዳብ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ድማ ምጥቃም ሓይሊ “ናይ መወዳእታ ኣማራጺ” ከምዝኸውን ገሊጹ።

ጕጅለ ዕልዋ ኒጀር ኣብ 26 ሓምለ እዩ ስልጣን ተቘጻጺሩ።

ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኵነታት ጥዕና ናይቲ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ናብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ከምዘሻቐሎም ገሊጾም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ፕረዚደንት ባዙምን ቤተሰቡን ኣጋጢምዎም ዝተባህለ “ሕማቕ መነባብሮ” ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ኣኼባ ኢኮዋስ፡ እቲ ዞባዊ ጕጅለ ቅድሚ ሕጂ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ጣልቃ ኣትዩ ከምዝነበረ መራሒ ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦዋታራ ገሊጹ።

“ሕጂ’ውን ኣብ ኒጀር ተመሳሳሊ ኵነታት ኣጋጢሙና ኣሎ፤ ነዚ ኢኮዋስ ከምዘይቅበሎ ክገልጽ እፈቱ” ኢሉ።

ሃገሩ ካብ 850 ክሳብ 1100 ወተሃደራት ዘለዋ ሓንቲ ቦጦሎኒ ከምእተዋፍር ዝገለጸ ፕረዚደንት ኦውታራ፡ ወተሃደራት ናይጀርያን በኒንን እውን ከምዝዋፈሩ ተዛሪቡ።

መራሒ ኢኮዋስ ዑመር ቶራይን ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦታራን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ዕልዋ ኒጀር ክውሰድ ዝኽእል ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዘትዮም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *