እዋናዊ መግለፂ ብጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)
እዋናዊ መግለፂ ብጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)
ንጎንፂ ዝዕድም ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የለን ኢሎም ምክትል ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)
ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሐ መድረኽ ምሰ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገርን ፌደራል መንግስትን ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ዝገበረ ተዛትዮም ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም እውን ኣብቲ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፈሽ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ ዘተ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከመይ ይተግበር ኣብ ዝብል ምይይጥ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን እቲ ውዕሊ ክሳብ 30 ግንቦት ከምዝፍፀም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ 30 ሰነ ተፈፃሚ ክኸውን ምስ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገርን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ስምምዕ ምብፀሖም ሓቢሮም ኣለው።
ኣብ ዕጥቂ ምፍታሕን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስን ኣመልኪቶም ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለ ቁፅፅርን ምረግጋፅን ክትትል እናተገበረሉ ክትግበር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኢሎም ኣለ
