Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰሜን ኮሪያ ዕዉት ፈተነ ባለስቲክ ሚሳኤል ገይራ

ሰሜን ኮሪያ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዕዉት ፈተነ ባለስቲክ ሚሳኤል ምግባራ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ፈተነ÷ ምንቅስቓስ ክፍሊ ኣካል ዓረር እቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ንምምልካትን ብቕዓት ተንቀሳቐስቲ ሞተራ ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ፒዮንግያንግ እቲ ፈተነ ሚሳኤል ድሕንነት ጎረባብቲ ሃገራትን ዘይነኽአን ምስ እዋናዊ ኩነታ እቲ ዞባ ርክብ ከምዘይብሉን ገሊፃ፡፡

ወታደራዊ ሓይሊታት ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን እቲ ባላስቲካ ሚሳኤሉ ካብ ኢኮኖሚ ቀጠና ጃፓን ወፃእ ከምዝዓረፈ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ሚሳኤል ሰሜን ኮሪያ ኣብ 2024 ንፈለማ እዋን ዘወንጨፈቶ ኣህጉር ዘቋርፅ ባላስቲክ ሚሳኤል እንትኸውን÷ ኣብ ዝሓፈ ዓመት ንመወዳእታ ግዘ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 18 ታሕሳስ 2023 ሃውሶንግ -18 ዝተባህለ ባላስቲክ ሜሳኤል ምውንጫፋ ስፑቲንክ ኢንተርናሽናል ፀብፂቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *