- ጄኖሳይድ ንዝተፈፀሞ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ : ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ተግባር : እታ ዝዓበየት ደበስ ክትኮኖ እትኽእል ፍትሒ ንኽረክብ ጥንኪርና እንተሰሪሕና :
- ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ : ዝተወረረ መሬት ትግራይ በዓል ዋንኡ ህዝቢ ትግራይ ክርከቦ ብምግባር ኣብ ጭቃን ማይን ዝድቅስ ህዝቢ ከይህልወና ቃልና ብተግባር ብምፍፃም :
- ኣብ በቢከባቢኡ ዘሎ ምሕደራ ኣካላት ፍትሕን ፀፅታን ንህዝብና ውሑስ ናይ ፀፅታን ድሕንነትን ሃዋህው ኣረጋጊፁ ህዝቢ ብዘይ ስኽፍታ ወቓዕን መንዛዕን ነፃ ኮይኑ ዝነብረሉ : ደቂ ኣንስትዮ ብሰላም ወፂአን ዝኣትዋሉ ዓዲ እንተፈጢርና :
- ዝዓነወ ትካላት ዳግማይ ሃኒፅናን ፀጊናን ዕድል ስራሕ ብምስፋሕ መንእሰይና ካብ ሓደገኛ መንገዲ ሞትን ስደትን ክተርፍ ጌርና ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝኽበረሉ ኩነታት እንተመቻቺውናሉ :
- ስድራ ስውኣት ጉዳኣት ኣካል ሓርበኛታት ተጋደልቲ ክድገፉ : ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዕድላት ተፈጢሩሎም ብፍሉይ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ዝጥቀምሉ መስርሕ እንድሕር ዘርጊሕና :
- ዝበስበሰን ድሑርን ፖለቲካና ብዘበናዊን ገስጋሳይን ፖለቲካ ተኪእና ኩሉ መሰሉ ተኸቢርሉ ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ኩሎም ሓሳባት ብማዕረ ዕድል ዝድመፅሉን ብንሕንሕን ብቕዓትን ሓዱሽ ወለዶ መሪሕነት ናብ ቅድሚት እንተምፂእና :
- እዙይ እንተጌርና : ጄኖሳይድ ንምምካትን ንህዝብና ካብ ጠቒልላካ ምጥፋእ ንምትራፍ ህይወቶም ንዝኸፈሉ ጀጋኑ መናእሰይ ተጋደልቲ እውን ዓባይ ዕረፍቲ እያ::
ክብርን ዝኽሪን ንኩሎም ሰማእታት ትግራይ !
