1) ሕዱር ሕማም ጉሕለት
ትካል ምግቢ ዓለም ንትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዝ፡ ‘ይጓሓል ኣሎ’ ብምባል ሓገዙ ጠጠው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ እዩ። ጉሕለት ሕዱር ሕማም ህወሓት ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ እቲ ብትካል ምግቢ ዓለም ተወሲኑ ዘሎ ንትግራይ ዝግበር ሓገዝ ጠጠው ዘብል ውሳነ ድማ ኣብ ኸቢድ ፀገም ንዝርከብ ህዝብና ተወሳኺ ኸቢድ ፈተና ይኸውን።
ንዝተፀገመን ኣብ መከራ ንዝርከብን ህዝብና ተባሂሉ ካብ ዝመፀ ሓገዝ ዝፍፀም ጉሕለት፡ ሕመቕ ትግራይ ክንዲ ክንደይ ዑሙቕን ስርዓታዊን ከምዝኾነ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ተወሳኺ ኣብነት ኾይኑ፡ ስርዓታዊ ለውጢ ምፍጣር ተዘይተኻኢሉ ካብዚ ዝኸፈኡ ነገራት ምምፀኦም ከምዘይተርፍ ዘመላኽት ድማ ይኸውን። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፍልፍል ጉሕለት ትግራይ ውፅኢት ዝተተኸለ ሕማቕ ስርዓት ከምዝኾነ ዝኣምን ኾይኑ ህዝብና ብፍላይ መንእሰይ ኣብ ጎኒ ውድብና ኾይኑ ንስርዓታዊ ለውጢ ክቃለስ ድማ ይፅውዕ።
ንትግራይ ዝተብሃለ ሓገዝ፡ ምጉሓል ሓዱሽ ዘይኾነ እንትኸውን፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ 2013 ብተደጋጋሚ ንትግራይ ዝተብሃለ ሓገዝ ይጉሕል ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ጉሕለት ሕጋውን ትካላውን ብዝኾነ መገዲ ትቆፃፀሮ እምበር ንዝተፀገመ ዝግበር ሓገዝ ጠጠው ምባል፡ ኣብ መከራ ህዝብና ተሓባባሪ ምዃን ከምዝኾነ ሳወት ይኣምን። ሓገዝቲ ትካላት ንትግራይና ዝገብርዎ ሓገዝ ኣብ ምዓሉ ክውዕል ሓዱሽ ናይ ባዕሎም መሓውር ክጥቀሙን ነቲ ሐዚ እውን ኣብ መከራ ዘሎ ህዝብና ክበፅሕሉን ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሕድሕድ ትግራዋይ እቲ ብትካል ምግቢ ዓለም ተወሲኑ ዘሎ ንትግራይ ዝግበር ሓገዝ ጠጠው ዘብል ውሳነ ናብ ተግባር ከይቕየርን መከራ ህዝብና ከይቕፅልን፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ምግቢ ዓለም ፅዕንቶ ከዕርፍ ድማ ይላቦ።
2) ጀጋኑና እንኳዕ መሬት ዓድኹም ረገፅኹም!
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ኢደ ፀላእቲ ፀኒሖም መሬት ዓዲ’ቦኦም ንዝረገፁ ጀጋኑ ተጋደልቲ፡ ኳዕ ተመለስኹምልና ዝብል ኾይኑ፡ ዛጊድ እውን ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ዝተረፉ ኩሎም ጀጋኑና ናፃ ክስደዱን መሬት ዓዲ’ቦ ተመሊሶም ክረግፁን ድምፅና ክነስምዕ ይፅውዕ።
እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ነቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ፡ ዝምጥን ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሕብሐባ እኳ ዝጥለብ እንተኾነ፡ ገና እግሮም ከይረገፀ፡ በቲ ሓይሊ ድሕረት ዝግበር ዘሎ ‘ዘየድሊ ምርመራ’ ንኽብሪ ጀጋኑናን ንስነ ልቦና ትግራዋይን ዘይምጥን ኾይኑ፡ እዚ ብኣግኡ ጠጠው ክብል ድማ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሐዚ እውን ኣዴታት ትግራይ ፎቖዶ በረኻታት ኣለሻ ደቀን ከርተት ምባለን ዘተሓሳስቦ ኾይኑ፡ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝነበሩ ጀጋኑና ኣመልኪቱ ዘሎ ሓዱሽ ምዕባለ ድማ ተስፋ ዝሓዝል ጭንቂ ሕድሕድ ስድራ ትግራይ ክውስኽ ዝገብር እዩ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ መስዋእቲ ጀጋኑና ንሕድሕድ ኣባል ስድራ ብኽብሪ ክንገር ደጊሙ ይፅውዕ።
ማዝያ 29 2023
መቐለ ትግራይ
