Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ምላሽ ዝሰኣነ ሕቶ ሰራሕተኛታት መንግስቲ!

ሰራሕተኛ መንግስቲ ዓንዲ-ሑቖ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ምምሕዳራዊን ምንቅስቓስ ትግራይ ምዃኖም ኩሉ ዝግንዘቦ ሓቂ እዩ። ጠለባቱ ብዝግባእ ዘይተማልኡሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ፅሬት ዘለዎን ግዜኡ ዝሓለወን ኣገልግሎት ክህብ ኣይኽእልን።

ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ፅንተታዊ ኲናት ዝበፅሖ ኩለመዳያዊ ንዋታዊን ሞራላዊን ማህሰይቲ ከይኣክል ሎሚ ‘ውን እቲ ዝግብኦ ንኡስ መሰል ናይ ክልተ ዓመታት ውዝፍ መሃያን ጥቕማጥቕምን ተኸልኪሉ ንተወሳኺ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፀገማት ተቓሊዑ ይርከብ። ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ በብርኩ ዝርከቡ መምህራን፣ ሓኻይም፥ሰብ ሙያ ሕጊ፥ ሕርሻን ካልኦት ሰብ ሙያን ብበዝሒ ስርሖም ክለቁ ይግደዱ ኣለዉ። ዛጊድ ኣዝዮም ብዙሓት ሰራተኛታት መንግስቲ ናብ ስደት የምርሑ ኣለው። ከም ውፅኢቱ ድማ ከም ትምህርትን ጥዕናን ዝበሉ ወሰንቲ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ብዋሕዲ ሰብ ሙያን ተጠቒዖም፡ ከምኡ ድማ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ብዘይ ብቑዓት ሰብ ሙያ ይተርፋ ኣለዋ።

ነዚ ኣዝዩ መተሓሳሰቢ ቅልውላው ቅልጡፍ ፍታሕ ብምሃብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ሰራሕተኛታት እንተዘይተቓሊሉ ኣብያተ ዕዮን ትካላትን ብዘይ ብቑዕ በዓል ሙያ ተሪፈን ከቢድን ዘላቒን ማህሰይቲ ከስዕብ እዩ።

ነዚ ፀገም ብዘይ ወዓል ሕደር ምፍታሕ ከም ህዝቢ ምስ ምቅፃል ዓብዪ ምትእስሳር ስለዘለዎ ኩሉ ግዱስ ወገን ነዚ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ክመፅእ ፀቕጢ ክፈጥር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ!

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
6 ጥሪ፣ 2016
መቐለ፥ ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *