1)ዝተሸራረፈት ትግራይ፡ ትግራይ ኣይኾነትን!
ሓይልታት ኣምሓራ ጎቢጦም ሒዞምዎም ኣብ ዝርከቡ ክፋላት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ህዝብና፡ ሐዚ እውን መስካሕካሓይ ግፍዕታቶም ቀፂሎምሉ ኣለው። ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ሰቖጣ ስላሰ ቁሸት ክትሪ፡ ኣብዚ ቅንያት ክልተ ንፁሃት ቀቲሎም ሰለስተ ዝቑሰሉ እንትኾኑ፡ ሐዚ እውን ነቲ ኸባቢ ሓደሽቲ ሰፈርቲ ኣምሓሩ እናእተው ስራሕቲ ለውጢ ዲሞግራፊ እቲ ኸባቢ የሳልጡ ኣለው። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ መናእሰይ ንምግፋፍ ብሓይልታት ኣምሓራ ሰፍሕቲ ሰራሕቲ ይሰርሑ ኣለው። ንገለ ወረዳታት ኢሮብ ሓዊሱ ሻዕብያ ተቖፃፂርዎም ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ትግራይ እውን ህዝብና ይበሳበስ እዩ ዘሎ።
ሕቶ ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዝበለፀ ንምትሕልላኽ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ትካላት እዛ ሃገር ተዋዲዶም ይሰርሑ ኣለው። እዚ ኹሉ ዝፈልጥ ገዛኢ ሓይሊ ትግራይ፡ ‘ቅድሚ ክረምቲ ምእታዩ ኩሉ ክነዐርዮ ኢና፣ ኸይዲ ሰላም ከይዝረግ ክንሰርሕ ኢና’ ካብ ዝብሉ ኣልቦ ፍረ መደረታቱ ወፃኢ እዚ ዝበሃል ስራሕ ክሰርሕ ኣይተርአየን።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፣ ክፋላት ሰሜን ምዕራብ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ትግራይ ከምኡ ድማ ዝበዝሑ ወረዳታት ኢሮብ፡ ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ እናሃለውን ህዝብና እናተጨፍጨፈን፡ ‘ወራር ጠጠው ኢሉ እዩ፡ ኣብ ኸይዲ ሰላም ኢና ንርከብ’ ዝብል ፅውፅዋይ ፈፂሙ ኣይቕበልን።
ሐዚ እውን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፎቖዶ መዕቆቢታት ተመዛበልቲ መከርኡ ዝርኢ ዘሎን ኣብ መገዛ ዓዱ ብፀላእቲ ይቕጥቀጥ ዝርከብን ህዝብና ክሳብ ሩፍታ ዝረክብ ካብ ስርዓት ኢትዮጵያ ይኹን ንትግራይ ይገዝእ ካብ ዘሎ ሓይሊ ተስፋ ዝግበር ምንም ነገር ከምዘየሎ ኣሚኑ፡ ኩሉ ትግራዋይ ሚዲያ፣ ሕጊ፣ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን ንዝሓውስ ዝተዋደደ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ክኸትት ይፅውዕ።
2) ፀረ ዘራእቲ ሓሳኹ ይስፋሕፍሑ ኣለው!
ክራማት ስዒቡ ዘራእቲ ሓረስታይ ትግራይ ዘጥፍኡ ሓሳኹ ይስፋሕፍሑ ከምዘለው ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እዞም ሓሳኹ ዛጊድ ኣብ ከባቢታት ጣንቋ ኣበርገለ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ቀሊል ዘይበሃል ሓደጋ ዘብፅሑ ኮይኖም፤ እዚ ሓደጋ ከይተጋደደን ጉድኣቱ ከይሰፍሐን ልዑል ጥንቃቐን ርብርብን ብምግባር ክግታእ ይግባእ ዝብል ውድብና፡ ብፍላይ እዚ ጉዳይ ብቀጥታ ዝምልከቶም ኣካላትን ዓለምለኸ ትካላትን እኹልን ቁልጡፍን ርብርብ ክገብሩ ይፅውዕ።

