1) ብዝኸፈአ መልክዑ፡ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ!
ብዙሕ ክፋል መሬታ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከብዋ ትግራይና፡ መሬታን ህዝባን ክሳብ ሐዚ መሊሳ ዘይረኸበት ኾይና፤ ፀላእቲ ኣብ ዝተቖፃፀርዎ መሬትና ዘሎ ህዝብና ድማ መዓልቲ ብዝሓደረ ቑፅሪ መከርኡ እናተጋደደ ይርከብ። ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ሕመቕ ‘ገዛኢ ትግራይ’ ተበሊፁ ኣላማጣ ንዝተርአየ ጉጅለ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ሳወት ብግልፂ ‘ዓብይ ጌጋ ከም ዝኾነን ክእረም ከምዝግበኦን’ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ሕድሕድ ትግራዋይ እዚ ጉዳይ ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቡ ውራየይ ኢሉ ክከታተሎ ድማ ይፅውዕ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገዚፍ ዝበሃል ለውጢ ዲሞግራፊ ንምፍጣር፡ ፅንተትን ምፅራይን ዘርኢ ፈፂሙ ክደላደል ዝሙክር ዘሎ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ‘ቄናን’ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ‘መዋጠጢ’ ንዝብሎን ህወሓት ንዝተስማዕመዐሉን ኣጀንዳ ተበሊፁ ኣብ ደቡብ ትግራይ ተመሳሳሊ ናይ ዲሞግራፊ ለውጢ ንምፍጣር ድማ ተዓጢቑ እናሰርሐ ይርከብ። ገለ ክፋላት ደቡብ ትግራይ ‘ኣካል ክልል ኣምሓራ ኾይኑ በጀት ክፀድቀሉ’ ብዝብል ምስምስ፡ ህዝቢ ኣፈራሪሑ ፊርማ ብምትእኽኻብ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ድማ ኣታዊ ገይሩ ኣሎ። እዚ ብገበን ዝተመልአ፡ ሓደገኛን ጨካንን ስራሕቲ ሓይሊ ኣምሓራ ይኹን ፍቓድ ስርዓት ኢትዮጵያ ክግንዘብ ዘይኽእል፡ ንትግራይ ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ ድማ ኢዱን እግሩን ዓፃፂፉ ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀልማት ናብ ደልሃመት ይደፍእ ኣሎ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዘይ ዋዓል ሕደር ክመለስን ክኽበርን ዝፅውዕ ኾይኑ፡ ሕድሕድ ትግራዋይ መዓልታዊ ውራዩ ገይሩ ክሰርሐሉ ድማ ይላቦ።
2) ካብ ጥይት ዝተረፈ ህዝብና ብጥምየት ይረግፍ ኣሎ!
ጉሕለት ሰብኣዊ ሓገዝ ስዒቡ፡ ብዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ክብል ዝተገበረ ረድኤት፡ ፍልፍል መዓልታዊ ብሞት እንስእኖም ዘለና ደቂ ትግራይ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ቀረባ መዓልቲ 22 ተጋሩ ኣብ ዓብይ ዓዲ፡ 30 ተጋሩ ድማ ኣብ ጣብያ ዓዲ ዓውሶ ብሰንኪ ጥምየት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። ሳወት ሐዚ እውን እቲ ብዓለምለኸ ትካላት ዝተነበረ ሓገዝ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ኣትሪሩ ዝኹንን ኾይኑ፡ እዚ ክልከላ ሓገዝ ክለዓልን ህዝብና ካብ ሞት ዘድሕን ሓገዝን መስርሕን ክተኣታትው ደጊሙ ይፅውዕ።
ትግራዋይ ሕድሕዱ ክተሓጋገዝ ዝላቦ ሳወት፡ መላእ ህዝብና ብፍላይ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ርእሲ ዓለምለኸ ትካላት ሓገዝ ድምፁ ከስምዕ ፅልውኡ ከዕርፍ ይፅውዕ።
ሰነ 19 2015 ዓ/ም
