1) ዝቐፀለ ምፅራይን ፅንተትን ዘርኢ
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ፡ ዛጊድ እውን ዘይዛረየ ፅንተትን ምፅራይን ዘርኢ ቀፂሉ እኒሀ። ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብፍላይ ወረዳ ኢሮብ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝርከብ ህዝብና ዛጊድ እውን ሓያሎን ማእለያ ዘይብሉን ግፍዒ እናተፈፀመሉ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ተሓባበርቱን ንነዊሕ ግዘ ክገብርዎ ከምቲ ዝፀንሑ፡ ህዝብና ናይ ምግፋዕ፣ ምቕታል፣ ምስዳድን ምእሳርን ስራሕቲ ዝቐፀሉ ኾይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ርኡይ ናይ ዲሞግራፊ ለውጢ ንምምፃእ ድማ ፅዑቕ ዝበሃል ስራሕ እናሰርሑ ይርከቡ። ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝርከባኣ ከተማ ምምሕዳራት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ከተማ ቆራሪት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ንትግራዋይ እናፈናቐልካ ነቲ ቦታ ተወለድቲ ኣምሓራ ክሰፍርዎ ናይ ምግባር ስራሕቶም ብምቕፃል ልዕሊ ዒስራ ሽሕ ዝግመቱ ኣምሓሩ ኣብቲ ከተማ ክሰፍሩ ገይሮም ኣለው።
ኣብዚ ጉዳይ ህወሓት ‘ህዝብና ቅድሚ ክረምቲ ናብ መረበቱ ክንምልሶ ኢና’ ካብ ዝብል ዘረባ ወፃኢ፡ እዚ ዝበሃል ዕዮ ዘይዓመመ እንትኸውን፡ ስቓይ ህዝብና ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይጋደድ ኣሎ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ውሑስ ናብራ ክህልዎን ከምኡ ድማ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ክረጋገፅ ብዕቱብ ከም ዝቃለስ ከረጋግፅ ዝፎቱ ኾይኑ፡ መላእ ህዝብና ግዝኣታዊ ሓድነትና ክረጋገፅን ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ኣብ ጎንና ኾይኑ ክቃለስ ንፅውዕ።
2) ዛዕባ ስውኣትናን ኣብ ኢድ ፀላኢ ዘለው ተጋደልትናን!
ብኽብሪ ክርዳእ ዘለዎ መስዋእቲ ጀጋኑና ክሳብ ሐዚ ኣይተነገረን። ከም ውፅኢቱ ድማ ብዙሕ ማሕበራዊ ቅልውላው ፈጢሩ። ኣዶታት ትግራይ ደሃይ ደቀን ክረኽባ ፎቖዶ በረኻታትን ማዓሰከራትን ከርተት ይብላ ኣለዋ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሚድያ UMD ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፡ ስውኣትና ብዝምልከት፡ ኣብ ቀረባ ንስድራታት ከምዝንገር ዋላ ይዛረቡ እምበር፡ ዛጊድ ናብ ተግባር ዝተለወጠ ነገር የለን። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ መስዋእቲ ጀጋኑና ብቑልጡፍን ብኽብርን ክንገርን ህዝብና ኣብዚ ጉዳይ ድምፁ ከስምዕን ይፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ 13 ጉንበት 2014 ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝርከቡ ጀጋኑ ተጋደልትና(POW) ብዝምልከት፡ ደሃዮምን ክስራሕ ዝግበኦ ዕዮን ኣመልኪቱ ተሪር መግለፂ ኣውፂኡ ምንባሩ ይፍለጥ። ነቲ ኹናት ‘ይመርሕ ኣለኹ’ ይብል ዝነበረ ሓይሊ ብወገኑ፡ ኣብ ኢዱ ንዝነበሩ ወታደራት ፀላእቲ ኣሕሊፉ እንትህብ፡ ዛዕባ ጀጋኑና ግን ሸለል ኢልዎ ምንባሩ ይዝከር። ሐዚ ተፃባእቲ ሓይልታት ናብ ‘ሰላም’ መፂኦም ካብ ተብሃለ፡ ፈለማ ክስርሑ ካብ ዝግበኦም ስራሕቲ ሓዲኡ፡ ዛዕባ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝርከቡ ጀጋኑና ክኸውን ድማ ግድን ይኸውን። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ምስ ኣንቅዕ ገበኖም ኣብ ኢዳ ዝነበሩ ወታደራት ፀላእቲ ኣሕሊፋ ዝሃበት ትግራይ፡ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝርከቡ ጀጋኑ ተጋደልታ ክትቅበል ዓለምለኻዊ መሰል ከምኡ ድማ ሞራላዊ ከም ዝኾነ ዝኣምን ኾይኑ፡ መላእ ህዝብና ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝርከቡ ጀጋኑና ናፃ ክልቀቑ ድምፁ ከስምዕ ድማ ንፅውዕ።
3) ሱዳን
ሱዳን፡ ፈታዊት ቀጣን መዓልትና እያ። ኣብ ሱዳን ሰሙን ዝሓለፎ ከቢድ ኹናት እናተኻየደ እንትኸውን፡ ንፅንተት ኣምሊጦም ኣብ ሱዳን ዝተዓቖቡ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ ተጋሩ ከም ዘለው እውን ይፍለጥ። ንፈታዊ ህዝቢ ሱዳን ሙሉእ ሰላም ዝምነ ውድብና ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ ሱዳን ኣፅሊሎምን ኣብ ሓደገኛ ኹነታትን ዝርከቡ ጉዳይ ተጋሩ ድማ ዝያዳ የተሓሳስቦ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይ ጉዳይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ብዕቱብ ክከታተሎ ዝላቦ ውድብና፡ ዝምልከቶ ኹሉ ኣብዚ ጉዳይ ውዓል ሕደር ከይበለ ናብ ስራሕ ክኣቱን ጭንቂ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ከቃልልን ይፅውዕ።
ሚያዝያ 19/ 2015
መቐለ፣ ትግራይ
