Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ብሂጉን ደልዮን ወይ እውን ንኻሊእ ክዕምፅን ክወርርን ዘካየዶ ኲናት የለን። ኣብ መዋእሉ ንዘጋጥምዎ ወራራት፣ ብሄራዊ መፅቀጥትን በደላትን ስዒቡ ግን ንምውሓስ ህልውንኡን መሰሉን ክብል ክባር ዋጋ እናኸፈለ መፅዩን ኣሎን። ካብዚ መንፅር ህዝቢ ትግራይ ዋጋ ኲናት እንታይ ምዃኑ ብታሪኽን ወግዕን ዘይኮነስ ብዘኸፈሎ ህይወት ስድርኡ፣ ዝዓነወ ገዝኡን ቁሸቱን እዩ ዝፈልጦ። ስለዝኾነ እውን ህዝቢ ትግራይ ሕርይኡ ሰላም ገይሩ ንሰናይ ጉርብትናን ምድግጋፍን ሕልፊ ዝኸፈለ ህዝቢ እውን እዩ። ውድብና ህወሓት ድማ ከም መጠን ውላድ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ባህግታቱ ካብ ባህግታትን ክብርን ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝቕዳሕ ።

ውድብና ህወሓት ኣብ 1967 ዓ/ም ብረት ኣልዒሉ ናብ ቃልሲ ዝወፀ እውን ህዝቢ ትግራይ ይበፅሖ ዝነበረ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓ ብሰለማዊ መንገዲ ዝፍተሐሉ ዕድል መሉእ ንሙሉእ ስለዝተዓፅወ ጥራሕ እዩ፤ ነይሩ፡፡ ውድብና ህወሓት ብዝሓዞ ቅኑዕ ዕላማ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣካይዱ ምስ ህዝቡ ክባር ዋጋ ከፊሉ ድማ መሰረታዊ ሕቶታት እቲ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣዒዊቱ እዩ፡፡ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝነበሩ 27 ዓመታት ሰላምን ምርግጋእን ፈጢሩ፣ ህዝቢ በብደረጅኡ ብፍትሓውነት ተጠቃማይ ዝኾነሉ ምርግጋፅ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ቁልፊ ኣጀንድኡ ገይሩ ብምውሳድ ኣዝዮም ዘኹርዑ ዓወታት እውን ኣመዝጊቡ፡፡

እዚ ኮይኑ ኣብቶም ዝሓለፉ 6 ዓመታት ብፍላይ ብዕሊ ጆኖሳዳዊ ኩናት ኣብ ዝተኸፈተልና 3 ዓመት ከም ህዝብን ውድብን ዘካየድናዮ መኸተ ምውሓስ ህልውና ካብ ምሉእ ፅንተት ኣድሒኑ ቃልስና ናብቲ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክሰጋገር ኣኽኢሉ እዩ፡፡ ህዝብና ብመዝረ ሓይልታት ልፍንቲ ፅንታ ተኣዊጅሉ ግን ድማ ነዚ ክባር ዋጋ ከፊሉ ካብ ሙሉእ ፅንታ ዝተረፈሉ እንኮ ምኽንያት ሳላ ተወዲቡ ብሓድነት ዝተቓለሰን ነዚ ዝመርሕ ውዳበ ስለዝነበሮን እዩ፡፡ ውዳበና ምንጪ ህላወናን ዓወትናን እዩ ! ካብ ውዳበን መሪሕነትን ወፃኢ ዝዕወት ዝኾነ ዓይነት ቃልሲ የለን ፡፡ እዚ ምዃኑ ስለዝፍለጥ ነዚ ገዚፍ ዓቕሚ ህዝብና ዝኾነ ውዳበና ንምውቃዕ ዘይተገበረ ነገር ከምዘየለ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ኩሉ ዝሪኦ ዘሎ ሓቂ እዩ። ናይዚ ሓደ መግለፂ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኩሎም ዓቕምትትና ማለት እውን ኣብ ውድብና ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣካላት ፀጥታን ዝተዋደደ ወፍሪ ፀለመ ይካየድ ኣሎ ፡፡

ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ እቲ ዝተኸፈተልና ጆኖሳይዳዊ ኲናት ደጋጊሙ ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ እዩ፡፡ እቲ ኲናት ምስተጀመረ እውን ብተማሳሳሊ እቲ ኲናት ደው ኢሉ ፓለቲካዊ ዝርርብ ክካየድ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ እዩ ። ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ተፈረመ እውን እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ክዓሙቕን ምትእምማን ክፍጠርን ካብ ውድብና ዝድለ ኩሉ እናተገበረ መፂኡን ኣሎን።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ክትግበሩ ዝግበኦም ሓራ ምውፃእ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ፣ ምምላስ ሕገመንገስታዊ መሬት ትግራይ ፣ ምምላስ ተመዛበልቲን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታትን፣ ምርግጋፅ ተሓታትነትን ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ዘይተፈፀመሉ እውን ንሰላም ካብ ዘለዎ መርገፂ ብዝብገስ ብትዕግስትን ህድኣትን ንሰላም ኣብ ምስራሕ ይርከብ ::

እዚ ከምዚ ኢሉ እተሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕላምኡ ወቒዑ ዘላቒ ሰላም ከይፍጠር ዝደልዩ ሓይልታት ፣ ገለ ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይን ካልኦት ምስእዚኦም ብዕላማ ዝተኣሳሰሩን ኣካላትን ኣብ ሕሉፍ ሰሙናት ነቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ከካይድዎ ዝፀንሑ ሰፊሕ ወፍሪ ብምሕዳስ “ህወሓት ንኲናት ይዳሎ ኣሎ፤ ኲናት ይጉስጉስ ኣሎ” ዝብሉ መግለፅታትን ፅሑፋትን የቕርቡ ኣለዉ፡፡ እዚ ወፍሪ ኣብ ውድብና ህወሓት ጥራሕ ከይተሓፀረ ኣብ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣካላት ፀጥታ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ብፍሉይ መልክዕ ይካየድ ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ወፍሪ ድማ ነቲ ምንጪ ዓወትናን ዘይፀዓድ ዓቕምናን ዝኾነ ሓድነትናን ዝተወደበ ምንቅስቓስናን ብምሽርሻር ህዝብና ብዘይፖለቲካውን ወታደራውን መሪሕነት ኣትሪፍካ ክብተን ከም ሓደ ሽቶ ተወሲዱ ዝግባእ መሪሕነት እናተውሃቦ ዝስረሐሉ ዘሎ ኮይኑ ካልእ መልክዕ ናይቲ ኲናት ፅንተት እዩ ድማ ፡፡ ህዝብና በዞም መሰረት ኣልቦን ፍፁም ሓሶትን፤ ኮነ ተባሂሎም ብዝተዋደደ መልክዑ ኩሎም ዓይነት ዓቕምታቱ ንምብታን ዝካየዱ ዘለው ወፍርታት ከየተደናገረ ኣብ ሓድነቱን ውዳብኡን ክፈጠሩ ዝድለዩ ዘለው ሃጓፋት ተገንዚቡ ከም ቀደሙ ብትረት ክቃለሶም ይግባእ ።

ትማሊ ፣ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ስትራቴጂካዊ ሕርያ ውድብና ህወሓት ፤ ሰላም እዩ ። ብወገን ውድብና ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከም ሓደ መቃለሲ ሰለማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ወሲድና ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ንገብሮ ዘለና ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ ፣ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ናብ በዓል ዋንኡ ክምለስ ፣ ዝተመዛበለን ናብ ሱዳን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ፣ ተሓታትነት ክረጋገፅን ፖለቲካዊ ዘተ ክጅመርን ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ዝጀመርናዮ ሰለማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ንመላእ ተቓለሳይ ህዝብናን ፈተውትናን ክንገልፅ ንፈቱ ።