“ሰላምና ነፅንዕ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ!!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብመሪሕነት ሚኒስተር ኢንዱስትሪ ፌደራል፣ ቢሮ ኢንዱስትሪን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ካብ 24-30 መስከረም 2016 ዓ/ም ኣብ ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝካየድ ሃገር ለኸ ምንቕቓሕን ምልዕዓልን መፍረይቲ ትካላት ኢንዱስትሪ ትግራይ ንምምራሕ ካብ ዝተጣየሹ ሸውዓተ ንኡሳን ኮሚቴታት ሓደ ንኡስ ኮሚቴ ምልመላን መረፃን ተሳተፍቲ ኢንተርፕራይዛት ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ መሰረት ገይሩ መብርሂ ከም ዝሃበ ዜና ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ይሕብር።
ብመሰረት ዚ ኣካቢት ንኡስ ኮሚቴ ምልመላን መረፃን ተሳተፍቲ ኢንተርፕራይዛት ወ/ሮ ገነት ማዓሾ “ኣብቲ ዝቕፅል ሃገር ለኸ ምንቕቓሕን ምልዕዓልን መፍረይቲ ትካላት ኢንዱስትሪ ትግራይ ዝሳተፉ ኣፍረይቲ ብዝተቐመጡ ረቛሕታት ማለት ሞዴል ዝኾነ፣ ጥረ ኣቑሑት ውሽጢ ዓዲ ዝጥቀምን ካብ ደገ ዝኣትው ኣቑሑት ዝትክእን፣ ዝቐርቡ ትሕዝቶ ፍርያት ስታንዳርድ መሰረት ዝገበሩን ካብ ካልኦት ዝሐሹ ምዃኖምን ዘረጋግፅ፣ ብዝሰርሖ ስራሕ መረጋገፂ መረዳእታ ሽልማት ዘለዎ፣ ዘፍርዮ ፍርያት ብእዋኑ ካብ ዝረኽቦም ተሞኩሮታት እናመሓየሹ ዘቕርቡ፣ ካብ ተፀባይነት ወፂኡ ባዕሉ ዕዳጋ ዝተኣሳሰርን ብበዝሕን መጠንን ንምፍራይ ሜላ ዝጥቀምን ዝብሉ ናብ ኩለን ከተማታትን ወረዳታትን ተላኢኹ ብመሰረት ዚ መልሚሎም ዝሰደዱ ወረዳታትን ከተማታትን ዘለው ምዃኖም ሓቢረን።
ብዝተቐመጠሉ ሮቛሒታት ተመልሚሎም ፍርያቶም ሒዞም ናብቲ ኢግዚቪሽን ክኣትዉ፣ ፍርያቶም ከፋልጡን ክሸጡን ከምኡ ዉን ካብ ካልኦት ክሽምቱን ነንባዕሎም ተመኩሮ ክለዋወጡን ክቐስሙን ከምዝግበር፤ ብኣንፃር ዚ ክሳብ ሐዚ 14 ዓበይቲ ሓዊሱ 54 ኢንተርፕራይዛት ተመዝጊቦም ከምዘለውን ብርክት ዝበላ ከተማታት ዘይላኣኻ ከምዘለዋን ተሓቢሩ ዩ። ኣብዚ መድረኽ ሃገር ለኸ ኢግዚቪሽን ካብ ፌደራል 70 ካብ ትግራይ 80 ብጠቕላላ 150 ኢንተርፕራይዛት ክኣትዉ ትፅቢት ከምዝግበር፤ ክሳብ ሐዚ ካብ 73 ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ዝኣትዉ መፍረይቲ ንሕዉየት ትግራይ ዝጠቅምን ብተመጣጣኒ ዋጋን ዉሕስናን ዘለዎ ማተርያላት ከቕርቡን ትፅቢት ይግበር።
ኣብቲ ሃገር ለኸ ምንቕናቕ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ክሳተፊ ኣብ ምድላው ካብ ዘለው መፍረይቲ ማሽነርታት ገ/ስላሴ ተካ፣ መኣርግ ገ/መድህንን ሚልዮን ለገሰን ብወገኖም ዘምረቱዎም ማሽነርታት ፅቡቕ ዕዳጋ ክረኽቡ፣ ካብ ካልኦት መፍረይቲ ክመሃሩን ተመኩሮ ክቐስሙን፣ ምስ ካልኦት ሰብ ቢዝነስ ክራኸቡን ኣብ ህንፀት መፃኢት ትግራይ ዝሕግዙ ብዙሓት ረብሓታት ከምዝፅበዩን ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
21 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ
