ኣብዚ ብግልፂ ክገልፆ ዝደሊ ጉዳይ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ጄኖሳይድ ዋላ ብንፁር ንምቕማጥ ሕዚ’ውን ገና ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘለዉን ዝፀንሑን ቦታታት ምዕራብ ትግራይ፥ ፀለምቲ፥ ኣብ ዝተወሰነ ክፋል ዞባ ደቡብ፥ ኩናማ፥ ኢሮፕ ዝበፅሐ ጉድኣት ብዝተማልአ ምክታት ዝሓተና እንተኾነ፣ እቲ ዝበፅሐና ሰብኣዊ ጉድኣት ግን ልዕሊ እቲ ዝተገለፀ ቁፅሪ ክኸውን ከምዝኽእል ክገልፅ ይደሊ። ምኽንያቱ እቲ ጄኖሳይድ ኣብ ሕድሕድ ስድራ ቤት ትግራይ ዝተፈፀመን፥ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂን ስለዝኮነ። እምነት ውድብና ህወሓት ‘ውን እዚ እዩ።
የግዳስ እቲ ጄኖሳይድ ሐዚ’ውን ብኻሊእ መልክዕ ይቕፅል እዩ ዘሎ።
ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ሰባት ግን፥ ንባዕሎም ናፃ ገይሮም፥ ንኻልእ ተሓታቲ ንምግባር፥ ንቶም ፈፀምቲ ጄኖሳይድ ናፃ ንምውፃእን ተሓታትነት ንምግልባጥን ሓሲቦም ይሰርሑ ነይሮምን ኣለዉን። ኣነ ክገልፆ ዝደለኹ ከኣ ብዛዕባ ዕላማ ናይዞም ኣካላት፥ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ቁፅሪ ንምግላፅ ኣይኮነን። ኣይነበረን።
እዚ ከምዚ ዝበለ ገበን ብዓለምለኸ ትካላት ከይፃረ እናገበሩ፥ ገበን ንዝፈፀሙ ኣካላት እናፈትሑ፥ ንመሪሕነት መኸተና ብጄኖሳይድ ዘፀልሙ ሰባት “ከምዚ ይብሉና ኣለዉ” ንምባል ዝተዘረበ ኣገላልፃ እምበር፥ ንጄኖሳይድ ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ሕቶ ዘውድቕ ከምዘይኮነ ደጊመ ብኣፅንኦት ክገልፅ ይደሊ።
