Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲግራት ኣቑቦም ዝርከቡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ፣ ከተማ ዛላምበሳ፣ኢሮብ ፣ጉለምኸዳን ካልኦት ከባቢታትን ውዕሊ ፕሪቶርያ ተፈፃሚ ኮይኑ ናብ መረበቶም ክመለሱ ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር፣ካብ ቶኹሲ ዝተረፍና ብሰላሕታ እንተፅኑትና ንሕና እንታይ ንኸውን ኣለና፣ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ንበርስ ኣለና፣ናብታ ሰሪሕና እንነብረላ መረበትና መሉስና፣ ወረርቲ ሓይልታትን ሰፈርቲን ካብ መረበትና ይውፅኡ፤ ምቕያር ዲሞግራፊ ብሕጊ ጠጠው ይበል፣ሰፋሪ ብምምፃእ መንነት ተጋሩ ኣይልወጥን ዝብሉ ጭርሖታት ብምጉዋሕ ኢዮም ሰልፊ ኣካይዶም ዘለው።

እቶም ንልዕሊ 3 ዓመታት ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ብግፍዒ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዝኸፈአ ህይወት ይነብሩ ከምዘለው ዝገለፁ ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይከበር፣ፅንተት ዝተበተነ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ደው ይበል፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእንት ይተግበር፣ብዘይወዓል ሕደር ናብ መረበትና መልሱና
ዝብሉን ካልኦትን መሪሕ ቴማ ሒዞም ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *