ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ውድባት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ንዘቕረብዎ ሕቶ ሕጋዊ ኣፍልጦ፤ ምጅማር ስሩዕ ስራሕን ዝሃቦ ምላሽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እተን ውድባት ንዘቕረብኦ ሕቶ ከምዘይተቐበሎ ኣብ ድረ-ገፁ ኣብ ዝለጠፎ ደብዳቤታት ኣፍሊጡ ኣሎ።
ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) 28 ሚያዝያ 2015ዓ.ም ናብቲ ቦርድ ደብዳበ ከምዝፀሓፈ ዘመልከተ እቲ ቦርድ ሕጋዊ ኣፍልጦ እቲ ውድብ ንክስረዝን ካልኦት ውሳነታትን ኣሕሊፉ ምንባሩ ከምዘዘኻኸረን፤ እቲ ኲናት በቲ ስምምዕ ሰላም ከምዝተፈተሐን ዘሎ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው ውሳንኡ ከልዕል ህወሓት ሕቶ ምቕራቡ ደብዳበ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ የመልክት።
ነቲ ብውድብ ህወሓት ዝቐረበ ሕቶ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ከምዝመርመሮ ዘመላኸተ እቲ ደብዳበ፤ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብ ህወሓት ንምምላስ ዘኽእል ሕጋዊ ማዕቐፍ ኣይረኸብኩን ክብል ነቲ ሕቶ ከምዝነፀጎ ኣብሪሁ።
ኣብ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደራዲሩ ባይቶ ወከልቲ ኢትዮጵያ ድማ ብመሰረት እቲ ውዕሊ ካብ ስያመ ግብረ ራዕዳውነት ብዕሊ ዝተልዓለ ውድብ ህወሓት ዳግም ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረክብ ደጊሙ እንትምዝገብን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ፍቓድ እንትህቦን ምዃኑ እውን እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ውድባት ፖለቲካ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ዘቕረብዎ ሕቶ ምስክር ወረቐት ፍቓድ ምዝገባን ካልኦት ሕቶታትን ሕሉፍ ጉባኤታተን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምግላፅ ዳግም መስራቲ ጉባኤ ንከሳልጣ ውሳነ ብምሕላፍ ንዘቕረብኦ ሕቶ ከምዘይተቐበሎ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ደብዳብኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ተግባር ኣካል እቲ ዝተዋደደ ፖለቲካን ኢኮኖምን ትግራይ ኣጃሚልካ ናይ ምድቋስ ውዲት እዩ ክብሉ ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት መዘራረቢ ዛዕባ ገይረምዎ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ።
ድወት
