Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ሉካሼንኮ ተዛሪቦም

ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ተዛሪቦም።

ሉካሼንኮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዩሬዢያ ኢኮኖሚ ሩሲያ ትማሊ ምሸት ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣቕኒዖም።

ኣብቲ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ካብ ክሬምሊን ናይ መወዳእታ መሳርሒ ኲናት ታክቲካል ኑክሌር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም.ፈ ከምዝተልኣኸ ተዛሪቦም።

ኣብ መብርሂኦም ናብ ሃገሮም ዝተልኣኸ መጠን እቲ ኣፅዋር ኣይገለፁን።

ኩሉ ነገር ብፅቡቕ ኩነታት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ምዝራቦም ዩ ፒ ኣይ ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ምስ ዩክሬን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት ኣብ ቤላሩስ ኣብ ሓፂር ርሕቐት ታክቲካል መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ከምዘስፍሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምግላፆም ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *