ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ኣብቶም ዝሓለፉ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናብቲ ሆስፒታል ንሕክምናዊ ሓገዝ ካብ ዝመፁ እቶም 25 ሚኢታዊ ከም ዝሞቱ ኣተሓባባሪ ማእኸል ሕክምና ህፃናትን ኣባፅሕን እቲ ሆስፓታል ኣይተ ስብሓት ሽፋረ ገሊፆም።
በዓልቲ ሞያ ሕክምና ሲስተር ራሄል ወልዴ ብወገነን ናብ ሆስፒታል ዓዲግራት ብርክት ዝበላ ኣዴታትን ህፃናት ጥምየት ዝወለዶ ሕማም ተደሪብወን ከምዝመፃን ንሞየአን ዝፈታተን ከቢድ ሐደጋ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ኣንፀላልዩ ከም ዘሎ ኣረዲአን።
ህፃን ሹዱሽተ ወርሒ ሒዘን ንሕክምናዊ ሓገዘ ዝመፃ ወ/ሮ ገነት ሕዳረ ከም ዝበላኦ ድማ ብሰንኪ ጥምየት ፀባ ጡበን ከምዝደረቐን ውላደን ኣብ ኣፍ ሞት ብምፃሑ ብዓቕሊ ፅበት ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተዓቖባ ተዛሪበን።
ወ/ሮ ዛፉ መለስን ወ/ሮ ዛይድ ኣታኽልትን ብተመሳሳሊ ብሰንኪ ዘለወን ተደራራቢ ፀገም ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተዓቖባን ህፃውንቲ ደቀን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከምዘለዉን ኣብሪሀን።
