ፕሬዚዳንት ሞሪታንያ ሞሃመድ ኦልድ ጋውዛኒ ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ብምዃን ተመሪፆም።
መራሕቲ 49 ሃገራትን ተወከልቲን ዝተሳተፍሉ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።
ትምህርቲ መሰረት ኩሎም ምዕባለታት ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ሙሃመድ ኡልድ ጋዙዋኒ፥ ዝተምሃረ ሓይሊ ፈተንቲ ፀገማት ኣፍሪካ ምቕራፍ የኽእለና ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ዘሎ ሃፍቲ ነዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲን ተመሳሰልቲ ተግባራትን ምውዓል የግባእ ኢሎም።
