ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ።
ኣይተ ጌታቸው ሎሚ 07 ነሓሰ 2015ዓ.ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ናብ ስራሕ ክኣቱ ተገይሩ ኣሎ።
እዚ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኣንበጣ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓቖፈ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ትልሚ ኣውፅኡ ናብ ተግባር ክኣቱ ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።
ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተርኣየሎም ሰለስተ ዞባታት ብዝተጠናኸረን ብዝተወደበን መንገዲ ምክልኻል እናተገበረ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕሬዚደንት ጌታቸው፤ ህዝቢ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዘካይዶ ንዘሎ ዝተወደበ ምክልኻል ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።
መሪሕነት ዞባ፣ ወረዳን ጣብያን እዚ ዕስለ ዝተርኣየለን ከባቢታት እውን ምስ ህዝቡ ኮይኑ ብዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅሕ ምግባር ከምዝኽኣለ እውን ኣይተ ጌታቸው ኣብርሆም እዮም።
ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቀፃሊ እውን ስፍሓቱን መጠኑን ክውስኽ ስለዝኽእል ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሪሕነት ቀንዲ ውራዩ ምክልኻል እዚ ዕስለ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣፅንኦት ሂቦምሉ እዮም።
እዚ ሕዚ ዝርኣይ ዘሎ ኮነ ቀፂሉ ክመፅእ ዝኽእል ዕስለ ኣንበጣ ብዝግባእ ንምክልኻ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተሓባቢርካ ምስራሕ የድሊ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ማሕበረሰብ ዓለም እውን እኹል ድጋፍ ንክገብር ክስርሓሉ እዩ ኢሎም።
