ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘመሓድረን 76 ወረዳታት ኣብ 1114 ኣብያተ ትምህርቲ 60 ሽሕ ተምሃሮ ናብ ብሄራአኢ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝቐረቡ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣተሓባባሪ ጉጅለ ብሄራዊ ፈተናታት ኣይተ ተክለሃይማኖት ገ/እግዚኣብሄር ድሕሪ ኲናት ኣብ 2012 ዓ.ም ክፍተኑ ዝነበሮም ሰነ 2015 ዓ.ም ዝተፈተኑ ተምሃሮ 98 ሚእታዊ ከምዝሓለፉን ሕዚ እዉን ማሕበረሰብ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ፀገም ተፃዊሩ ፅቡቕ ምድላው ከምዝተገበረን ዝሓሸ ዉፅኢት ትፅቢት ከምዝግበርን ሓቢሮም።
ዉፅኢት ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ እዚ ዓመት ብቴክኖሎጂ ተደጊፉ ብሰለጤን፣ ፅፈትን ተኣማንነትን ቐልጢፉ ዕላው ከምዝኾዉን እዉን ኣይተ ተክለሃይማኖት ኣረዲኦም።
ተፈተንቲ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መቐለ ትዕግስቲ ገ/ስላሴ፣ ተመስገን ግደይን ማህሌት ሃረገወይንን ድሕሪ ኲናት ካብ ሕቶ ህልዉና ናብ ትምህርቲ ምምላሶም ከምዝተሓጎሱን ተረጋጊዖም ብመሰረት ዝተወሃቦም ምርሒ ተፈቲኖም ፅቡቕ ዉፅኢት ንምምፃእ ትፅቢት ከምዝገብሩ ሓቢሮም።
ርእሰ መምህር ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምርቲ መቐለ መምህር ኪሮስ ኣሰፋን ሱፐርቫይዘር ክላስተር ኣብያተ ትምህርቲ መቐለ መምህር ሙሉጌታ ገብረዝጋብሄርን ተምሃሮ ብሰንኪ ኲናት ዝባኸነ ትምህርቶም ተዓፃፂፎም ብምክሕሓስ ፅቡቕ ምድላዋት ከምዝተገበረን ተምሃሮኦም ድማ ከይተደናገፁ ፈተነኦም ሰሪሖም ልዕል ዉፅኢት ከምዝግቡ ይግባእ ኢሎም።
