መበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ፕሬዘዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳን ኣቦመንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመረርሓ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ከተማ መቐለ ተኸቢሩ።
ኣቦ ወምበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካአኤል ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ለካቲት 11 ኣብ እዋን ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉ ሰላማዊ ቓልሲ ከካይደሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት ብምንባሩ ዝተጀመረ ቓልሲ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ቓልሲ ዝተመስረተት ህወሓት ካብ ደርጊ ሓሊፉ ብኻልኦት ዉድባት ክትጠፍእ ፈተናታት ይገጥምዋ ከምዝነበረ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን ምስተን ዉድባት ኣፈላላያት ብዘተ ብምፍታሕ ህዝባዊ ዕላማ ሒዛ ብፅንዓትን ጅግንነትን ብምቅላስ ከምዝተዓወተት ገሊፆም።
ኣብ ቓልሲ 17 ዓመት ዝነበሩ ፈተናታት ብፅንዓት፣ ስኒትን ሓድነትን ብምፍታሕ ማዕርነት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ሕገ-መንግስቲ ከምዝተጣየሸን እዞም ተሞክሮታት ብምዕቃብ ናይ ሕዚ ወለዶ እዉን ብፍቕርን ሓድነትን ንረብሓ ህዝቡ ክረባረብ ዶክተር ደብረፅዮን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ህወሓት ኣብ ህዝባዉነት ዘለዎ መሰረታዊ እምነት፣ ኣፈላላያት ብዘተ ምፍታሕን ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዘለዎ ኣተሓሳስባ ብምዕቃብ ሕዚ ምስ ግዜ ዝጠልቦ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘረጋግፅ ምትዕርራያት ክገብር ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተረኸቡ ዕድላት ብምዕቃብ ዘይተወገኑ ስራሕቲ ክፍፀሙን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ሕብረተሰብ መሊእኻ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ፕረዚደንት ጌታቸው ሓቢሮም።
ተሳተፍቲ መራሕቲ ንህዝቢ ግልፅን እዋናዉን ሓበሬታ ብምሃብ ኢሉዉን ኣብ ባይታ ወሪዶም ኣብ ህዝቢ ዘለው ፀገማት ከፈትሑ ይግባእ ኢሎም።






