Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምክትል ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ምዕባለታት ንግጭት ዝዕድም ዝኾነ ይኹን ነገር የለን !!

ምክትል ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)

ተወሰኽቲ ነጥብታት ካብ መግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)

★ ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ዝገበረ ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሐ መድረኽ ምሰ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገርን ፌደራል መንግስትን ተዘትዮሉ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም እዮም።

★ ኣብዚ ናይ ሓበር ምኽክር መድረኽ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከመይ ይፈፀም ዝብል ትልሚ ወፂኡ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።

★ ከመይ ይተግበር ዝብል ምይይጥ ከምዝተኻየደ ዝሓበሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ትግበራ ኣብ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን እቲ ውዕሊ ክሳብ 30 ግንቦት ከፍፀም ፣ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ 30 ሰነ ክውዳእ እዩ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ዘሎ።

★ ዕጥቂ መን መን ይፈትሑ ፣ኣየኖት ምምሕዳራት ይፈርሱ፣ተመዛበልቲ ከመይ ይመለሱ ዝቡሉ ዝርዝር ትልሚ ዝወፅኣሉ እንትኾን ነዙይ ድማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለ ክትትል ቁፅፅርን ምረግጋፅን ክትትል እናተገበረሉ ክትግበር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እዩ።

★ ኩናት ደላይ ፣ኩናት ዘይደለይ ዝብል ዝፍጠር ዘሎ ተረኽ ጌጋ እዩ እዙይ ንፌደራል መንግስቲ እውን ተገሊፅሉ እዩ።

★ እዙይ ተረኽ ንምጥቃም ዝፍትን ዘሉ ኣብ ባይታ ዘየለ ነገር ንምጥቃም እዩ ዝፍትን ዘሎ።

★ ካብዚ ትግበራ ወፃኢ ካሊእ ንድሕሪት ዝመልስ ነገር ብወገን ፌደራል መንግስቲ እውን ተቐባልነት የቡሉን ኢሎም።

★ ብወገን ትግራይ ናይ ዓዲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ እጃም ንምብራካት ተራ ንምፅዋት ኢና ንሓስብ፣ካብዚ ዕንኪልል ዝጥቀም ነቲ ውዕሊ ዘይቕበል ጥራይ እዩ።

★ ተመዛበልቲ ወገናት ቅድሚ ምምላሶም መሬቶም ፣መንበሪ ገዘኦም፣ ሕርሻ ተታሒዙ ስለዘሎ መጀመርያ ምችው ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ምርድዳእ ተገይርሉ እዩ።

★ ብወገን ትግራይ ዕጡቓት ሓይልታት ከብተን ከባቢታት ክነውፅእ ኢና ዝበሉ ጀነራል ታደሰ በቲ ካሊእ ወገን ዘለዎ ዝሰፈሩ ሰፍርቲ እውን ክወፅኡ ምርድዳእ ተበፂሑ።

★ እዙይ ኩሉ ምስተገበረ ተመዛበልቲ ወገናት ክምለሱ ክግበር እዩ።

★ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምትግባር ብወገን ትግራይ ክሳብ ታሕቲ ምርድዳእ ብምግባር ምድላዋት ተወጊኑ እዩ።

★ ብወገን ምክልኻል ሃገር ዝስርሑ ዘለዎ ስራሕቲ ክትትል እናተገበረ እዩ፣ ብወገን ፌደራል እውን እቲ ውዕሊ ንምትግባር ክሳብ ታሕቲ ከውርዶ ትፅቢት ንገብር ኢሎም።

★ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለዎ ምዕባለታት ንግጭት ዝዕድም ዝኾነ ይኹን ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጦም።

★ እቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተፃብኦታት ከምዝህልዎም ይፍለጥ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ስለዚ ብወገን ፌደራለረ ይኹን በትግራይ ቃልሲ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *