Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰላም ሕርያና እዩ።

ሕዚ እውን ሰላም ስትራተጂክ ሕርያና እዩ። ትግበራ እቲ ውዕሊ ዘላቒ ሰላም ብዘምፅእ መንገዲ ክኸውን እምበር ግዜ ንምግዛእ እንጥቀመሉ ኣይኮነን።

     ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ )

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ካብ ዘልዓልዎም ተወሰኽቲ ነጥብታት ድማ ፡

★ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ እቶም ዘይተፈፀሙ ክትግበሩ ምርድዳእ እናገበርና ክንቕፅል ኢና።

★ ውዕሊ ፕሪቶርያ እንትኽተም ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይን ከምኡ እውን ተመዛበልቲ ወገናት ካብ መረበቶም ኣብ ዝተፈናቐልሉ ኩነታት ኮይንና እዩ።

★ በቲ ውዕሊ መሰረት ግዝኣት ትግራይ ይኹን ጉዳይ ተመዛበልቲ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ክፍታሕ እዩ ዝብል ኢና ተስማሚዕና።

★ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኩናት ብዘየድግስ መንገዲ ብጥንቃቐ ክትግበር ይግባእ።

★ እቲ ሕዚ ዝረኣ ዘሎ ውፅኢት ናይቲ ኩናት እምበር መበገሲ ናይቲ ኩናት ኣይኮነን

★ ብወገን ትግራይ ፡ ብሓይሊ ዝተትሓዙ ቦታታት ትግራይ ተመሊሶም ሙሉእ ቁመናኣ ክትሕዝ ምግባር እዩ

★ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ይገጦምዎ ካብ ዘለው ፀገማት ሓደ ቅድሚ ኩናት ዝነበረ ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ፣ብምዃኑ ድማ ካብ መከላኸሊ ሃገር ወፃኢ ዘለው ዕጡቓት ከይንቀሳቐሱን ዝተጣየሹ ምምሕዳራት ክፈርሱ እዩ ተወሲኑ።

★ እቲ ካልኣይ ኣብ ትግብራ ፀገም ዘገጥም ዘሎ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ሓደሽቲ እዮም ተቖፂሮም እዙይ እቲ ነባር ክምለስ ኣለው፣ካልኦት ናይ መንግስቲ መሓውራት እውን

★ እቲ ሳልሳይ ብሓይሊ ኣብ ዝተትሓዙ ቦታታት ባንዴራ ኣምሓራ እዩ ኣብ አብያተ ዕዮ ተሰቒሉ ዘሎ ክወርድ፣ታፔላታት እውን ክወርዱ እዩ ተወሲኑ።

★ ናይ ፀጥታ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለው ዕጡቓዓት ሓይልታት ክፈርሱ ዝብል ስምምዕ እዩ ተገይሩ።

★ እቲ ሕዚ ዝትግበር ዘሎ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ምምሕዳራት ብምፍራስ፣ዕጡቓት ዕጥቆም ብምፍታሕ ምችው ኩነታት ምፍጣር እዩ።

★ ድሕሪ እዙይ ቀፂሉ ዝመፅእ ፡ ሰላም ምስ ተረጋገፀ ዝግበር ይኸውን።

★ ናይ ተመዛበልቲ ብዘይግቦኦም ኣካላት ዝተትሓዘ ቦታ ኣላዎም ቅድሚ ምምላሶም ነቲ ብዓል ዋና ዘለዎ ዝሕረስ መሬት ይኹን መንበሪ ናፃ ናይ ምግባር ስራሕቲ ይስራሕ።

★ብዝተጣየሸ ክትትል ቁፅፅርን ዝገብር ጉጅለ ሰላም ምዃኑ ምስ ተረጋገፀ ድሕሪ እዙይ እዩ ተመዛበልቲ ከመይ ክምለሱ ከምዘለዎም ዝብል ዝመፅእ።

★ነዚ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ትግበራ እቲ ውዕሊ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለ ክትትል ቁፅፅርን ምርግጋፅን ከምኡ እውን ተደራደርቲ ኣካላት ዘለውሉ ሓበራዊ ክትትልን ቁፅፅርን ዝገብር ጉጅለ ተጣይሹ እቲ ከይዲ ክትትል ከምዝግበረሉ በቲ ክትትልን ቁፅፅርን ምርግጋፅን መሰረት እናተተግበረ ክኸይድ ክግበር እዩ።

★ ዝተመዛበሉ ወገናት ስቕ ኢልካ ምምለስ ኣይኮነን ክብሮም ተሓልዩ፣ዘድልዮ መሰረተ ልምዓታት ተማሊእሎም፣ ዝተፈላለዩ ደገፋትን ሰብኣዊ ሓገዝን ገይርካ ምስ ህዝቢ ተረዳዲእኻ ዝስራሕ እዩ ክኸውን።

★ ምሕደራ ብዝምልከት ድማ ጣቢያታትን ወረዳታትን ግዝያዊ ምምሕዳር ብመረፃ ቤት ምኽሪ ይመርፃ፣እቲ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ወይ ኣማሓደርቱ ዓርሱ ይመርፅ።

★ እዙይ ኩሉ ተመዛባለይ ምስ ተመለሰ ዝትግበር ይኸውን።

★ እዙይ ከይዲ ትግበራ ብሓይሊ ምክልኻል ዝትግበር ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

★ እዙይ ናይ ትግበራ ምዕራፍ ቀሊል ኣይኮነን ዓንቀፍቀፋት እናፈታሕና ሰላምና ብዘይዘርግ መንገዲ ክትግበር ፃዕሪ ክንገብር ኢና

★እዙይ ጉዳይ ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣጀንዳ ስለዝኾነ ተሓጋጊዝና ክንፍፅሞ ዝግባእ ብሄራዊ ጉዳይ እዩ።

★ እቲ ይፍረስ ዝተብሃለ ምምሕዳር፣ናይ ፍትሒ፣ፀጥታ መሓውር ነቲ ህዝቢ ብምምራር ክመዛበሉን ነቲ ስምምዕ ዝትግብር ሓይሊ ምክልኻል ሃገር እውን ብምትንኳይ ክርብሽ እዩ ዝፍትን ዘሎ።

★ ዘላቒ መፍትሒ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ፌደራል እዘን ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ፌደራል ይፀንሓ እሞ ብሪፈረንደም ክፍታሓ ኣለዎ ዝብል እንትኾን ብወገን ትግራይ ድማ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስተጣየሸ ናብ ትግራይ ይምለስ ዝብል ቅዋም እዩ ዘለና

★ እዙይ ኣፈላላይ ዝተፈትሐ ኣይኮነን ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝተትሓዘ ቅዋም ብወገን ትግራይ ቅቡልነት ከምዘይብሉ ገሊፆም።

★ መንግስቲ ፌደራል ቅዋሙ ከስተኻኽል ድማ ትፅቢት ንገብር ኢሎም።

★ ኣብዚ ጉዳይ ሕዚ እውን ኩሉ ትግራዋይ ቀፃሊ ቓልሲ ከምዘድልይ ተረዲኡ ቃልሱ ከጠናኽር ሓድነቱ ክሕልው ፀዊዖም።

ፈይሰል ሙስጦፋ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *