- ኣብ’ዚ ሰሙን 19 ሕዳር ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ጄኖሳይሳዊ ጨፍጫፍ “ከይርሳዕ ከይድገም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽሪ ሰማእታት ክግበር እዩ። ከም ውድብ ነዚ ዕለት እንትንዝክር ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ፍትሒን ልዕልነት ሕግን ክኽበር እንገብሮ ቃልሲ ብምጥንኻር እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ 21 ሕዳር ንዝኽበር በዓል ሕዳር ፅዮን እንኳዕ ኣብፀሐና ንብል።
- ንንውሕ ዝበለ እዋን ከም ውድብ ናብ ሚድያታት ቀሪብና መብርህታት ኣይሃብናን ምኽንያቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ከይወዳእናን ከይተረዳዳእናን ናብ ሚድያ ምምፃእ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዓቢ ስለ ዝበልና እዩ። ሕዚ ‘ ውን ዘይወዳእናዮም ጉዳያት ዝምልከቱ ኣብ እዋኖም መብርሂ ክወሃበሎም እዩ ። ገሊኦም ድማ ብተግባር ባዕሎም ዝርኣዩ እዮም ። ነዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ወሲዶም ህዝቢ ብምድንጋርን ዘይጭበጥ ተስፋ ብምሃብን ኣብ ስልጣን ክቕንዩ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ክንዲ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ኮይኖም ዝተፈላለዩ መግለፅታት ክህቡ ንዕዘብ ኣለና ፤ ካብ’ዚ ዝብገስ ዝተፈጠሩ ምድንጋራት ብዝተወሰነ መልክዑ ንምብራህ እዩ።
- ከም ውድብ ድሕሪ ጉባኤ እናሰራሕናዮም ዝፀናሕና ጉዳያትን ሕዚ ዘለናሉ ኩነታትን ዝምልከት ኣብ ጉባኤ ዘቐመጥናዮ ፍኖተ ካርታን ደምዳሚ ኣዋጅን መስረት ጌርና ስፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዘረጋገፀ መድረኻት ኣካይድና ምስ መላእ ኣባልናን ህዝብናን ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኢና። በዚ እውን ህወሓት ካብ መሰረቱ ንምፍራስ ዝተጀመረ ውዲት ንምምካት ዘኽእል ንቕሓት ክፍጠር ተገይሩ ኣሎ ፣ ኣብ ዞባታትን ካብኡ ንታሕትን ኣብ ዘሎ መሓውር መጠነኛ ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ ተኻይዱን ይክየድን ኣሎ ፣ ስራሕቲ ሪፎርም ውሽጢ ውድብ ፕሮጀክት ቤት ፅሕፈት ተኸፊቱ ይስራሕ ኣሎ፣ ስትራቴጂያዊ መዋፅእ ህልው ኩነታት ትግራይ እውን ተዳልዩ ኣሎ።
- ምትዕርራይ ኣመራርሓ ብፅሒት ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምልከት ውድባዊ ጉባኤ ኣካይድና ካብ ዝኣተናዮ ፀገም ንምውፃእ ዘኽእል ፍኖተ ካርታ ኣውፂናን ወሲናን ኢና። ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ንህወሓት ወኪሉ ዝኣተወ ኣመራርሓ ዝምልከት እውን ትኽክለኛ ፓለቲካዊ ገምጋም ኣቐሚጥና ወሲንና ኢና።
…ተወሳኺ ክነስዕብ ኢና
