ስማእታትና ልፍንታውያን ሓይልታት ፅንተት ንምምካት ከምኡ እውን ብሄራዊ ክብሪ ንምዕቃብን ናጽነት ትግራይና ንምግሃድን ዝወፈርኩም ጀጋኑ ኢኹም ‘ሞ ብሄራዊ ክብሪ ተወንዚፍኩም ንዘልኣለም ኣብ ልቢ ሕድሕድ ትግራዋይ ነበርቲ ኢኹም፡፡
ክቡራት ሰማእታትና፡ ንብዓት ኣዶ ትግራይ ንሓዋሩ ጠጠው ክብል ሃቂንኩም፡ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ህይወትኩም ተበጅው ኣርካናት ታሪኽ ኢኹም ‘ሞ ኣብ ልብና ዝትከል ሓወልቲ ንኣኹምን ንኣኹም ጥራሕን ዝተገበአ ክኸውን ግድን እዩ።
ሰማእታትና፡ ዝኸፈልኩምዎ መዘና ኣልቦ ዋጋ ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ዝብህግ እዩ ‘ሞ፡ ሕድሕድ ስዳሮ ቃልስና ነዚ ልዕሊ መቓብር ዝነብር ቃለ ሕድርኹም ብሙሉእነት ንምዕዋት ከም ዝኸውን ክነረጋግፀልኹም ንፎቱ።
ቅንዕ ኢሉ ዝኸድ ትግራዋይ እንተሎ ብጀግንነትኹም እዩ። ካብ መጥቃዕቲ ዝተረፈት ጓል ትግራይ ትኹን ካብ መርሸንቲ ዝተረፈ ወዲ ትግራይ እንተሎ ሳላ እቲ ንሞት ክምስ ኢሉ ዝተቐበለ ተባዕ ብሄራዊ ሓልዮትኩም እዩ ‘ሞ ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ይኹንኩም።
ናፅነታዊ መስዋእትኹም ደወልን ፈውስን ኾይኑ ናጽነት ትግራይ ፈታዊን ፀላኢን ዝፈልጦ ዘይቕልበስ ሓቂ ገይርኩምዎ ኢኹም ‘ሞ ዘለኣለማዊ ክብርን ሩፍታን ንዓኹም ይኹን።
ኮባኽብቲ ትግራይ፡ መስዋእትኹም ‘ብሄራዊ ውዕሊ’ እዚ ወለዶ እዩ፡ ውዕልና ድማ ልዕሊ መቓብር ዝገደፍኩሙልና ቃለ ሕድርኹም ክሳብ ዝገሃድ ሓሪንና ክንቃለስን መስዋእትኹም ብዓወት ከነጸምበልን እዩ፡፡
ሓቂ እዩ፡ ሕድርኹም ዝበልዕ ሓይሊ ኣብ ቅድሚትና ከምዘሎ ንኣምን። ብሄራዊያን ሓይልታት ‘ኪዳን’ እንትንብል ግን ሕድርኹም ንምሽካምን ንምፍፃምን ካብ ምህቃን ዝብገስ ከም ዝኾነ ክነረጋግፀልኹም ንፎቱ። ህያውነትኹም ዝረጋገፅ፡ ዕላማኹም ክንዲ ክንደይ ተሳኺዑ ኣብ ዝብል ሕቶን መልሱን ከም ዝርከብ ድማ ንግንዘብ። ንናፅነት ትግራይ ዝጥምቱ ኩሎም ዕላማታትኹም ክሳኽዑ፡ ኣንፃር ዕላማታትኹምን ሕድርኹምን ምስ ዝተሰለፉ ናይ ውሽጥን ደገን ፈተናታት ተቓሊስና ዓላማኹም ከም እነዐውቶ ድማ ቃል ንኣቱ።
እዚ ሓዘን፡ ሓዘን ትግራይ እዩ። ፅንዓት ንኹላትና!
ንጽናዕ፡ ንሓርን፡ ሕድሪ ስውኣትና ንምዕዋት ንበገስ!
ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ

