Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምንዳይ መፍትሒ ፀገማት ትግራይ

ዓለም-ለኸ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ/ጂኤስቲኤስ/ሕልኽላኽ ፀገማት ትግራይ ንኽፍትሑ ዝሐግዙ ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ ሓሳባት ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቕሪቡ።

እቲ ዓለም-ለኻዊ ውዳበ ሙሁራት ህልዊ ፀገማትን መፍትሒኦምን ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ትግራይን ኣመልኪቱ ዘካየዶም መፅናዕትታት ምስ ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ዘትዩ።

ዓለም-ለኸ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ/ጂኤስቲኤስ/ ሕልኽላኽ ፀገማት ህዝቢ ንኽፍትሑ መበገሲ ፅሑፋት ብምስንዳእ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ መድረግቲ ኣካላት ክዝተየሎም ብምግባር ሰነዳት ኣማዕቢሉ ምፅንሑ ኣቦ መንበር እቲ ዓለም ለኸ ውዳበ ዶ/ር ገብረኪዳን ገ/ስላሴ ይገልፁ።

ጭቡጣት ፀገማት ትግራይ ብምልላይ ዓለም-ለኸ ሙሁራት ትግራይ /ጂኤስቲኤስ/ መፅናዕትታት ኣካይዶም ዝውሰዱ መፍትሕታት ብዝተዋደደን ብዝተናበበን መንገዲ ንኽፍፀሙ ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ይዝትዩ ከምዘለዉ ዶ/ር ገ/ኪዳን የብርሁ።

ዝተትሓዙ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ንምዕዋት ዓለም-ለኸ ሙሁራት ትግራይ ጭቡጣት ተሞክሮታት ዓለም ብምቕማር መፅናዕትታት ዕላዊ ገይሩ ከምዘሎን ንተግባራውነቱ ድማ ኩሉ ይግበአኒ በሃላይ ክሰርሐሉ ዓሊሙ እቲ ውዳበ ሙሁራት ይሰርሕ ምህላዉ እቶም ኣቦ መንበር ይሕብሩ።

ትግራይ ገጢምዋ ንዘሎ ዝተሓላለኸ ፀገም መፍትሕታት ንምንዳይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ድማ ኩሉ ትግራዋይ ንዕዉትነቱ ፃዕሪ ክገብር ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ሙሁራት ትግራይ ዶ/ር ገብረኪዳን ገ/ስላሴ ፀዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *