ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ተጎጋ ንዘህንፆ ፋብሪካ ስሚንቶ ህንፀቱ ንምጅማር ሎሚ 15 ሰነ 2015 ዓ/ም እምነ ሰረት ኣንቢሮም።
ኣብቲ ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ኣመራርሓ ውድባት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብን ተረኺቦም።
ኣቦ ወንበር ቦርድ ፋብሪካ ሲሚንቶ ተጎጓ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ እቲ ፋብሪካ ብልዕሊ 17 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ካፒታል ዝተጣየሸ ኮይኑ እቲ ፋብሪካ ሕፅረት ሲሚንቶ ትግራይ ካብ ምቅላል ብተወሳኺ ብዝዕጠቖ ቴክኖሎጂ ኣብ ትግራይ ርኡይ ስግግር ከምዘለዎ ገሊፆም።
እቲ ፋብሪካ ናይ 5 ሚሊዮን ብፅሒት ማለት ዉን ሼር ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ሂቡ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ኣሸናፊ ብተወሳኺ ድማ እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝትከለሉ ግራውቲ ዘለው ሓረስቶት ሰብ ብፅሒት ክገብሮም ወሲኑ ኣሎ ኢሎም።
ትግቲቪ
