Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና እንታይ ዝዓለመ’ዩ?

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ቻይና ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ብሰንኪ ባዕላውን ደጋውን ተነጽሎ ካብ መድረኻት ዓለም ተኸዊሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን’ዩ ካብቲ ዞባ ኣርሒቑ ወግዓዊ መገሻ ዘካይድ ዘሎ።

ነቶም ብቻይና ተወዲቦም ዝካየዱ ዋዕላታት መራሕቲ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ተሓሲምዎም’ዩ ጸኒሑ።

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከምዝሓበርኦ፡ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዶ/ር ገርግሽ ተኽለሚካል ከምኡ’ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ክራኸብ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ’ሎ።

“ክልቲኦም መንግስታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ምዉቕ ክልተኣዊ ሽርክነት ንምትራር ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳዊን ንግዳውን ጉዳያት ክመያየጡ እዮም” ክብል እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ኤርትራ በጺሑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ “ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን” ናብ ሃገሩ ምብጻሕ ከካይድ ካብ ፕረዚደንት ዢንፒንግ ዝተላእከ ዕድመ ኣቕሪቡ ነይሩ’ዩ።

እቲ ፈላሚ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ኣብ ቻይና ከምዝረኸበ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድሚ 15 ዓመታት ንመወዳእታ ግዜ ናብ ቻይና ከምዝበጽሐ ይንገረሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ኤርትራ ብተዘማዲ ምስ ቻይና ዝሓሸ ዝምድና’ዩ ጸኒሑዋ።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊን ጸጥታውን ምትእስሳራት እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ክልቲአን ሃገራት ካብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ዝጀመረ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ጸኒሑውን’ዩ።

ኣብ ፈለማ 90ታት ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ኣብ ዳግመ-ህንጸት ናይታ ሓዳስ ሃገር ይሳተፋ ምንባረን ይዝከር።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት’ውን ሓያለ ኩባንያታት ቻይና ኣብ ዳህሳስን ኲዕታን ማዕድናት ክሳተፋ ጸኒሐን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ሓደ ካብቶም ቻይናውያን ኩባንያት ኣብቲ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ዕደና ፖታሽ ሚልዮናት ኣውፊሩ’ሎ።

እቲ ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝትመን 50 ሚእታዊት ብርኪ ናይቲ ኣብ ኮሉሊ ዝርከብ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ካብ ሓደ ዳናካሊ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ”ዩ ገዚኡዎ። እቲ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን’ዩ።

እቲ ናይ 200 ዓመታት ዕድመ ከምዝህልዎ ዝንገረሉ ፖታሽ ኮሉሊ ኣብ መወዳእታ 2021 ወይ መጀመርታ 2022 ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ክጅምር ትጽቢት ተገይሩሉ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሎሚ ዕደና ከምዘይተጀመረ ይግለጽ።

ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን (ኤስ ኣር ቢ ጂ) በቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ምስኣልን ምህናጽን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ተወዳዳሪ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ፡ ቻይናዊ ኩባንያ ሽዳዎ ዝውነን ኰይኑ ኣብ ዕዳጋ ‘ስቶክ ኤክስቼንጅ ሻንጋይ’ ዝተመዝገበ እዩ።

እቲ ትካል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ልዕሊ ሰላሳ ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ይነጥፍ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሓያለ ካልኦት ትካላት ቻይና ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ተዋፊረን ከምዘለዋ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ ምህናጽ ጽርግያታት ዝተዋፈራ ከምዘለዋ’ውን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019 ቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ (SFECO) 134 ኬሜ ዝንውሓቱ፡ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ተበጊሱ፡ ብሓበላ ኣቢሉ ብምሕላፍ ናብ ምዕራባዊት ከተማ ኣቑርደት ዝኣቱ ብዓል ክልተ-መስመር ናይ ቅጥራን ጽርግያ ክሃንጽ ኮንትራት ከምዝወሰደ ብወግዒ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን ንምጅማርን እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ መሪቖም ከፊቶሞ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ከምዝደስከለ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ሕዳር 2021 ድማ ኤርትራን ኣብቲ ብ’በልት & ሮድ’ (Belt and Road) ዝፍለጥ ዓቢ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ሰነድ ክትሳተፍ ፈሪማ ነይራ።

እቲ ንዓለም ብመሬትን ባሕርን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ ተበግሶ፡ “ንክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን፡ ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪቃ ዘርብሕ’ዩ” ክብል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ገሊጹ። እቲ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ከምዝውድእ ዝግለጽ ተበግሶ፡ ንመስመራት ንግዲ ዓለም ንምስፋሕ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ እታ ንእሽቶ ዕዳጋ ዘለዋ ኤርትራ፡ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ብዙሕ ኣቑሑት ዝቐርበላ’ያ።

ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ትገብሮ ዘላ ሰፊሕ ወፍሪ (ኢንቨስትመን) ኣብ ናይ “ዕዳ መጻወድያ” ንምእታው ዝዓለመ ሜላ’ዩ ተባሂሉ ክንቀፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሃገራት ምዕራብ’ውን ንጽልዋ ቻይና ኣብታ ኣህጉር ንምድራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያለ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ተበግሶ ክወስዳ ጸኒሐን’የን።

እታ “ርእሰ-ምርኮሳ” ዝብል መትከል እትኽተል ኤርትራ ግን፡ ዋላ’ኳ ኣዝዩ ድኹም ቁጠባ ዘለዋ እንተኾነ ብዙሕ ዕዳ ከምዘየዋህለለት ይንገረላ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንትሕተ ቅርጺ ኤርትራ ወደባትን ጽርግያን ንምሕዳስን መገብቲ ጽርግያታት ንምስራሕን ምስ ቻይና ከምዝሻረኽ ገሊጹ ነይሩ።

ኤርትራ ምስ ዴሳዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ድሓን ዝኾነ ዝምድና’ዩ ጸኒሑዋ- ዋላ’ኳ ክብን ለጠቕን ዝነበሮ እንተኾነ።

ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ’ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ናብ ቻይና ክመላለሱ ይርኣዩ ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 15 ዓመታት ግን ዝነበረን ርክብ ዳርጋ እናዛሕተለ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ከም መራኣያኡ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብቲ ብተበግሶ ቻይና ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ቻይናን ንዓመታት ርሒቑ’ዩ ጸኒሑ።

ዋላ’ኳ ቻይና ብቐጥታ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝውሰድ እገዳታትነ ነቐፌታታትን ዘይትርዕሞ እንተነበረት፡ ክትከላኸለላ ዘይምፍታና ንኤርትራ ባህ ካብ ዘየበሉዋ ነገራት ምዃኑ ይግለጽ።

ንኣብነት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ብዘለዋ ናይ ‘ቬቶ’ ዕድል ደው ከተብሎ ትኽእል’ኳ እንተነበረት፡ ተዓቅቦ ብምግባር ሓሊፋቶ።

ብዘይካ’ዚ፡ ቻይና ምስተን ንሓያለ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተሰሊፈን ዝነበራ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጂቡቲን ዘለዋ ቁጠባዊን ጸጥታውን ርክባት ዝዓበየን ዝሓየለን ምንባሩ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ርክብ ክዝሕትል ጠንቂ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ኣብ መንጎአን ንዝነበረ ኩነተ-ኲነት ከምዘብቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን ግን፡ ቻይና ዝፈኾሰላ’ያ ትመስል።

ኣብ መስከረም 2021 ኣምባሳደር ቻይና ካይ ገ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ኮነ ምፍርራሕ እገዳ ከምእትቃወም ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2022 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምርኻቡ ግን ዳግማይ ምብርባር ናይቲ ዝምድና ዘበሰረ’ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምዕራባውያን ንጽልዋን ሓይሊን ቻይና ንምግታእ ንዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ነቒፉ ነይሩ’ዩ።

“ቻይና ሎሚ፡ ብቑጠባ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብዝተፈላለየ ኻልእ መለክዒታት፡ ቀዳመይቲ እያ እንተ ተባህለ፡ ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ዝመጽእ 10-20 ዓመታት ቻይና ናበይ ገጻ እያ ክትከይድ. . .ቁጽሪ ሓደ ስግኣቶም ቻይና እያ. . .ዜሮ ሳም እዩ ኣብ ሓንጎሎም ዝሰርሕ። ስለ’ዚ ንቻይና ክቕርቅሩዋ ክኽእሉ ኣለዎም” ኢሉ።

እዚ ናይ ሎሚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና እምብኣር፡ ብርሕቀቱን ዕምቆቱን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ’ዩ ዝመስል።

ባህላውን ማሕበራውን ርክባት

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ባህላውን ማሕበራውን ርክባት ሓደ እወታዊ ገጽ ናይ ዝምድናታተን እዩ።

ንኣብነት ቻይና ንኤርትራውያን ተመሃሮ እትህቦ ዕድላት ማህደረ-ትምህርቲ ነታ ኣብ ተነጽሎ ዝጸንሐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ገጻ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ከተቋምት ገይሩዋ’ዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ትምህርቲ ቻይና ብዝተፈላለየ ዓወዲ ዝተፈለለየ ማዕርግ ተቐቢሎም እዮም።

ቻይና ብወገና፡ ከም መቐጸልታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝጀመረቶ ባህላዊ ጽልዋ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ትካል ምህናጻ ይፍለጥ።

ኣብ መገቢት 2017፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዮንግ ዚጋንግን ሚኒስተራትን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ዝውድእ ህንጻ “ኮንፉሸስ ኢንስትዩቱት፡ ማእከል ቋንቋን ባህልን ቻይና” ክህነጽ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ ነይሩ።

ቻይናውያን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን’ውን በብግዚኡ ናብ ኤርትራ እናመጹ ክተሓጋገዙ ጸኒሖም’ዮም።

ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቤዢን ነዞም ዝጸንሑ ተበግሶታት ብኸመይ ከምዘሐይሎም ኣብዘን ዝመጻ ኣርባዕተ መዓልታትን ዝመጻ ሒደት ዓመታትን ዝርአ ክኸውን’ዩ።

ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *