Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምትዕራቕ’ውን ድሉውነት ኣሎና’ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈ፡ ሚልዮናት ዘመዛበለን ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዘስዓበ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ዝኸተምዎ ውዕል ሰላም ሻብዓይ ወርሒ ገይሩ ኣሎ፤ ይዅን እምበር ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድሮ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቢቢሲ ንመስርሕ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብዚ ኲናት ብዛዕባ ዝጠፍአ ሂወት ሰብ፡ ኵነታት ሓይልታት ትግራይ፡ ዕርቂ መራሕቲ ትግራይን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣቦ ወንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ትግራይ ነበርን፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፍሉይ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ኣሎ።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ስምምዕ ካብ ከቢድ ውግእ ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ከምዘሰጋገረ ብምግላጽ፡ ገለ ዝተተግበረን ገና ኣብ መስርሕ ትግባረ ዝርከብን ጉዳያት ከምዘሎ ሓቢሩ።

“እቲ ስምምዕ ስሉጥ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ፤ ግን ከኣ ነቲ ዝተፈጥረ ሰላም ንምጥንኻር፡ ብመንግስቲ ፈደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተወስደ ጽቡቕ ስጕምትታት ኣሎ” ኢሉ።

ይዅን እምበር ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ከቢድ ብረት ምስፈትሑ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከውጽኦም ሓላፍነቱ እኳ እንተኾነ ዛጊት ከምኡ ስለዘይተገብረ እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣብ ስቓይ ከም ዝርከብን ሓቢሩ።

ህላወ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን፡ “ሰላምና ምሉእ ከይከውን፡ ህዝብና ናብ ቦታኡ ከይምለስን ስቓዩ ክቕጽልን [ምኽንያት ኰይኑ’ሎ]” ብምባል፡ እቲ ውዕል ኣብ ኣፈጻጽማኡ ዓቢይ ሃጓፋት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ደማዊ ኲናት ዝተመዛበሉ ሚልዮናት ሰባት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ሕሰም ይርከቡ።

ዶክተር ደብረጽየን፡ ብሰንኪ እቶም “ወረርቲ” ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን እቶም ብሚልዮናት ዝቝጽሩ ብደማዊ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ መዕቈቢ መዓስከራት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።

“ኣብ ባይታ ዝተቐየሩ ነገራት ኣለዉ፤ እቶም [ሓደስቲ ሰፈርቲ] ክወፅኡ ኣለዎም፡” ዝበለ ኣቦ መንበር ህወሓት፡ እቶም ተመዛበልቲ ንኽምለሱ፡ ናይ ትግራይ ምምሕዳር ፖሊስ፡ ኣካላት ፀጥታ ክኣትዉን ምስቲ ኣብ ትሕቲ ወራር ዝፀንሐ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ምርድዳእን ምምኽኻርን ከምዘድሊ ሓቢሩ።

“[እቶም ድሕሪ ውግእ] ዝኣተው ሰፈርቲ ከይወፅኡ [ንዓኣቶም] ክትድረቦም ኣይከኣልን እዩ። ንቕድም እቶም ሰፈርቲ ካብቲ ቦታ ክለቍ ኣለዎም። ዘድሊ ሎጅስቲክስ ተቐሪቡሉ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ’ዩ ክኣቱ ዘለዎ፡” ብምባል ነቲ ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ዝርዝር ኣፈጻጽማ ኣሚቱ።

ዕጫ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ?

ዶክተር ደብረጽየን ንምዕራብን ገለ ክፋል ደቡብ ትግራይን ተቘጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን ምምሕዳር እቲ ክልልን፡ ሓደስቲ ሰፈራታት የጣይሱን ወረቐት መንነት ይዕድሉን ከምዘለው ሓበሬታ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ተቓውሞኦም ከምዝገለጽሉን፡ “ግዜ ጥራይ ሃቡና ክንፈትሖ ኢና” ዝብል መተሃዳድኢ ምላሽ ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ባህርዳር ኣብ ዝበጽሓሉ እቲ ኣብ ባይታ ዝኸውን ዘሎ ነገር ምስ ዝምልከቶም ከም ዝተዘራረበ ኣሚቱ። እቲ ርክባት ብመንግስቲ ፈደራል ዝምእከል ኰይኑ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘራጉድ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ብሰሪ’ዚ ኲናት ዝተበደሉን ስድራን ግዳያትን ክረኽቡዎ ዝግባእ ፍትሒ ብዝምልከት፡ እቲ ጉዳይ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝተሓሓዝን እቲ ዝርዝራት ብመገዶም ክምለስ ከም ዝሓይሽን ኣዘኻኺሩ።

ንተሓታትነት ብዝምልከት ከኣ ድሕሪ እቲ ዝግበር ኵለንትናዊ ገምጋም ዝረአ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ወረርትን ተወረርትን ብሓደ ዓይኒ ክንረአ ኣይግባእን፤ ንሕና ኣብ መኸተ ኢና” ነይርና ክብል መሊሱ።

ጉዳይ ውጉኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ

ካብ ዲያስፖራ ብስምና ዝእከብ ገንዘብ ናባና ኣይበጽሐን፡ ተረሲዕና፡ ብማለት ተደጋጋሚ ሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ፡ ሕጽረት ሕክምናን መግብን ከምዘለዎም ዝገልጹ ውጉኣት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ፀገም ከምዘሎ ከምዝፈልጥ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ከኣ ነቲ ጉዳይ ይርእዩዎን ምስቶም ዝተፀገሙ ውጉኣት ተዘራሪቦም፡ መፍትሒ ይእልሹ ከምዘለዉ ብምሕባር እቲ ዝርዝር ምላሽ ግን ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኸውን ከምዝሓይሽ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ኲናት ዝተኸፈለ ሂወት ሰብ

ኣብቲ ኲናት፡ ብወገን ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከም ዝተኸፈለን ብሓፈሻ ክንደይ ሰብ ከምዝሞተን ኣብ ዝምልከት ሕቶ፡ ዶክተር ደብረጽዮን “ብእዋኑ ክግለጽ’ዩ” ብምባል ካብ ምምላስ ተዓቂቡ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንስድራቤታት ደሃይ ደቀን ንምፍላጥ ምድላው ይገብር ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

ኣብ እዋን መሪሕነቱ ብዝተወልዐ ደማዊ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝጠፍአ ብምዝኽኻር፡ “ንሓዋሩ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ክዝክረኒ እዩ ኢልካ ትሓስብ?” ንዝብል ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ብዛዕባ’ዚ ዝምልከት መልሲ ክህብ ኣይደልን” ኢሉ።

ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *