Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ !!

ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣይተ ሞጎስ ታፈረን ዶክተር ደጀን መዝገቦን ኣካብን ምክትል ኣካብን እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ገይሮም መሪጾም።

ምስረታ ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ብምልኣተ ጉባኤ ይሳለጥ ኣሎ።

ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘይግባእ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝተዳናጎየ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፣ምስረታ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ናይ ዴሞክራታይዘሽን ስራሕቲ ሓደ ስዳሮ ምዃኑ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ኣብያተ ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምክትታልን ብምድጋፍን ከም ኣድላይነቱን ኩነታቱን ምኽረ ሓሳብ ይኹን ውሳነ ዘዕርፍ ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ እዋን ኣለና እውን ኢሎም።

ኣባላት ኣማኻሪ ኣውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣይተ ሞጎስ ታፈረ ኣካቢ ፣ንዶክተር ደጀን መዝገቦን ድማ ምክትል ኣካቢ ክኾኑ ብድምጺ መሪጾም።

ተወሰኽቲ ነጥብታት ክነስዕብ ኢና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *