ትግራይ ምሉእ ግዛኣታ ዋላኳ ዛጊድ ኣይመለስ ናይ ሰላም ሃዋህው ብመጠኑ ሰፊፉ ናብ ንቡር ንምምላስ ላዕልን ታሕትን እናበለት ትርከብ፡፡ 21 ሚያዝያ 2015 ዓ/ም ምርኢት ንግድን ባዛርን ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ከምዝክፈት ተሓቢሩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝኽፈት ምርኢት ንግድን ባዛርን ማሕበረሰብ ንግዲ ብምንቕቓሕ ስርዓት ንግዲ ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝሕግዝ መዳለውቲ እቲ ምርኢት ኤጀንሲ ልምዓት ንግድን ሰደድን ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣፍሊጦም።
ስርዓት ንግድን ማሕበረሰብ ንግድን ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ”ሰላም ተዘዋዋሪ ንግድን ባዛርን” ብዝብል ቴማ ከምዝክፈት ኣዳለውቲ ኤጀንሲ ልምዓት ንግድን ሰደድን ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስርዓት ኣብዝፈረሰሉ እዋን ውሑዳት ነጋዶ ስርዓት ንግዲ ክዛባዕን ሕብረተሰብ ብናህሪ ዋጋ ከሳቀን ጌሮም እዮም ዝበሉ አይተ ገረመስቀል፣ እቲ ኤጀንሲ መፅናዕትን መረዳእታን ኣብ ኢዱ ስለ ዘለዎ ስርዓት ንግዲ አብ ዘዐንቅፉን ኣደብ ኣብ ዘይገብሩ ነጋዶን ስጉምቲ ከምዝስውድ ኣጠንቂቖም። እቲ ምርኢት ንዓሰርተ መዓልታት ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ከምዝቕፅል እውን እቶም ሓለፍቲ ገሊፆም። እቲ ምርኢት ማሕበረሰብ ንግዲ ካብ ዝነበረ ፀለማት ሃዋህው ዘነቓቕሕ ፣ኣፍረይትን ዓደግትን ብምርኻብ ብዘላቕነት ምትእስሳር ንግዲ ዝፈጥር ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡ ሓላፊ ኤጀንሲ ልምዓት ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገረመስቀል ታረቀ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ዘጋጠመ ዕንወትን ክሳራን ንግዲ ንምሕዋይ እቲ ምርኢት ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም ።
