እዚ ብሰማእታት ዝተሰየመ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽን እዮም ኣንቢረሞ።
ወጻኢኡ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሽፈን እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ ፍርቂ ቢሊዮን ዝዋገኦም ሃለቕትን ቀወምትን ዝተፈላለዩ ንብረታት ሒዞም ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ኣትዮም ኣለዉ።
እዚ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓበራዊ ጉዳያት ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ክዛተዩ ትጽቢት ይግበር።
ዋልታ
