ነቲ ብምምሕዳር መቐለ ዝተውሃበ ለበዋ ከምዘይቅበልዎን ኪዳን ሱር በቆስ ለውጢ ብዝብል ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ስርዓት ንምምፃእ ዝዓለመ ሰልፊ መፃኢ ክልተ ጳጉሜን ንምስላጥ ከምዝተዳለው እውን ውናት፣ባይቶናን ሳወትን አፍሊጦም ኣለው ።
ሰልፊ ምክያድ መሰል ከምዝኮነ ዝጠቐሰ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ይኹን እምበር እቲ ሰልፊ ዝካየደሉ እዋን ድሮ በዓል ስለዝኾነ ናይ ፀጥታን ካልኦት ምትሕብባርን ንምግባር ከምዘይኽእልን ገሊፁልና እዩ ዝበሉ እቶም ውድባት እዚ ከምዘይቅበልዎን እቲ ሰልፊ በቲ ዝተትሓዘሉ መዓልቲ ከምዘሳልጥዎ እቶም ውድባት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም ኣለው ።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንሰለስቲኣን ተናሓናሕቲ ውድባት ኣብ ዝፅሓፎ ደብዳበ ምክያድ ሰላማዊ ሰልፊ ሕገመንግስታዊ ከምኡ ድማ ብኣዋጅ’ ውን ዝተደገፈ እዩ ፥ ድሕሪ ምባል ዝሓዝክምዎ ትልሚ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ምምሕዳር ከምዝቕበሎ ይኹን’ምበር ንሰለማዊ ሰልፊ ዝተመረፀ ዕለት በዓላት ዝበዝሕዎ ብምኻኑ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ተረኪቡ ፀጥታ ናይ ምኽባር ግብእን ሓላፍነትን ዋላ እኳ እንተሃለዎ ኣብቲ ዕለት ግን ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ እዩ ።


