Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናትን ሕክምናዊ ሓገዝን ዝውዕል 60 ሚልየን ብር ኣበርኪቱ

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብድርቂ ንዝተጠቀዑ ወገናት ዝውዕል ደገፍ 50 ሚልየን ብር ሂቡ።

ብተወሳኺ ንኮምፕርሀንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለን ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ 10 ሚልየን ብር ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ርኽክብ እቲ ደገፍ ገንዘብ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተረኺቦም።

ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ፥ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምምካት ዝግበር ዘሎ ርብርብ ንኢዶም።

እቲ ፀገም ይጋደድ ብምህላዉ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኩሉ ክስዕቦ ይግባእ ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣመሃ ብግደኦም፥ ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ምምሕዳር እታ ከተማ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *