ትማሊ 27 ጥሪ 2016 ዓ∕ም ነበርትን ኣመራርሓ ወረዳ ከተማን እምባስነይቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ተመሪቓ ዝተኸፈተት ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ብተደጋጋሚ ብወረርቲ ሓይልታት ብዘይኣፈላላይ ዝተጨፍጨፈ ህዝቢ ናብ ንቡር ሂወት ንምምላስን ብዘይ ዝኾነ ትሕጃ ልቓሕ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክተሓሓዛን ብምውሳን ከም ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ናይ ባዕላ ተራ ንምፅዋት ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ ።
ካብዚ ብተወሳኺ ነዘን ድርብ ሓላፍነት ተሰኪመን ዝኸዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ምድጋፍን ናብ ስራሕ ምትሕሓዝን ንኩሉ ሕብረተሰብ ምድጋፍ እዩ ዝበሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣደዳይ ማይክሮፋይናንስ ኣይተ ክብረኣብ ኣሳየኸኝ ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ዘውፀኦ መመልመሊ ረቑሓ ዘማልኣ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ውዓል ሕደር ልቓሕ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክነዋፍረክን ምድላዋትና ወጊና ኢና ክብሉ ነተን ነበርቲ ኣበሲሮምወን እዮም።
ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ፀገምና ተረዲኣ ኣብዚ ቁርፂ እዋን ቅድምያ ብምሃብ ናብ ወረዳና መፂኣ ኣዮኽን ኣብ ጎንኽን ኣለና ክትሓውያ ኢኽን ብምባል ተስፋ ስለዝሃበትና መፃኢና ብሩህ ምዃኑ ተረዲእና ኢና ክብላ ነበርቲ ፡ኣመራርሓ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን ኣመራርሓን እታ ወረዳ ወሲኾም ገሊፆም ክብል እቲ ትካል ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት ።
