Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:

በብዓመቱ ዝኽበር ዓለም ለኸ ብዓል ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባዊ ዓቕሚ ብምህናፅ ክኸውን ይግባእ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡፡

ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ምህናፅ ቀንዲ ዕላማ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ ክኽበር ይግባእ ዝበለ መግለፂ ኤጄንሲ ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ 48 ሃገራት ኣብ ትሑት ዓቕሚ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብፋይናንስ ንምሕጋዝ 6 ነጥቢ 4 ትሪሊዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ፡፡

በብዓመቱ ዝምደብ ገንዘብ፤ ቀጠባዊን ገንዘባዊን ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ብምህናፅ ዓርሰ እምነት ደቂ ኣንስትዮ ምህናፅ ወሳናይ ምዃኑ ዘማላኸተ እቲ ኤጀንሲ፤ ምጉልባት ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንኹለመዳያዊ መሰል ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሉ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኣተወኦ ስራሕ ተወዳደርቲ ክኾናን ስራሕ ክፈጥራን እንተኾይነን፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ናፃ ክኾና ይግበአን ዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ማዕረ ዕድል ስራሕን ተጠቃሚነትን ክኸፈተለን ድማ ሓላፍነት ኩለን ኣባል ሃገራት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ብደረጃ ዓለም ካብ ዘለዋ 10 ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ኣብ ፍፁም ድኽነት ትነብር ኣላ፡፡ ካብ 2017 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ እናተጋደደ ብሰንኪ ዝመፀ ጎንፅን ህዉከትን ድማ 614 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ዝኸፍአ ናብራ የሕልፋ ምህላወን ዘማላኸተ መፅናዕቲ ወድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸፍአ ሃሰያ ከም ዘስዕብ ኣመላኺቱ፡፡

ኣብ ቀፀልቲ 6 ዓመታት ብዝህሉ ምዝባዕ ኣየር ልዕሊ 236 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ንሓደጋ ጥሜት ክቃልዓ ከም ዝኽእላን ካብ ብሕዚኡ ቅድመ ምድላው ክግበረሉን ነዚ ድማ ኩለን ኣባል ሃገራት ጠመተ ክገብራሉ ይግባእ ዝበለ ኤጀንሲ ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ ኩሉ ስራሕቲ ማዕረ ዕድል ክፍጠረለን ፀዊዑ፡፡

ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ብምርግጋፅን ቁጠባዊ ዓቕመን ብምህናፅን ጥራሕ፤ ክሳብ 2035 ዓ.ም.ፈ ልዕሊ 100 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ድኽነት ምንጋፍ ከም ዝከኣልን ካብ ብሕዚኡ እኹል ገንዘብ ክምድብን ፃውዒት ዘቕረበ ኤጀንሲ ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፤ ኣባል ሃገራት ኣብ ዝሕዝኦም ትልሚታት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ትኹረት ክህባሉ ተላቢዩ፡፡

ሓገዝን ረዲኤትን ጊዚያዊ ህይወት ከድሕኑ ይኽእሉ እንበር፤ ዘላቒ ውሕስና ደቂ ኣነስትዮ ከረጋግፅ ኣይኽእልን ዝበለ እቲ ኤጀንሲ ዘላቒ ውሕስና ደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገፅ ሃገራት ብትልሚ ሒዘን ክሰርሓሉ እንተኽኢለን ጥራይ ብምዃኑ ኣባል ሃገራት ንፆታዊ ማዕርነት ዝኣተወኦ መፅብዓ ከኽበራ ኣተሓሳሲቡ፡፡