Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማዓልታዊ ኩነታት ትግራይ።

★ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም ዘካየዶዎ ዘተ ፡ ሰላም ንምዕሞቕ ዝዓለም ሙኻኑ ገሊፆም ።

መራሕነት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንቕድሚት ኣብ ዝስጉመሉ መንገዲ ፣ ዘጋጥሙ ኣብ ዘለው ዓበይቲ ብድሆታት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም ።

★ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፖርቲ ብልፅግና ዝተጀመረ ክልቲኣዊ ዘተ ሎሚ እውን ንሳልሳይ ግዘ ተኻይዱ።

ውድብ ህወሓትን ውድብ ብልፅግናን ዘካይድዎ ዘለዉ ዝርርብ ነቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ንምስፋሕን ንምዕሟቕን ዝዓለመ ኮይኑ ሎሚ ናቱ መቕፀልታ ንሳልሳይ ግዘ ኣብ ከተማ መቐለ ተራኺቦም ምዝታዮም ተሓቢሩ ኣሎ ።

★ ዝኽረ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኣኽሱም

ካብ 9-11 ግንቦት 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብምትሕብባር ዪኒቨርስቲ ኣኽሱምን ቢሮ ባህሊ ቱሪዝምን ትግራይ ዝኽረ ቅዱስ ያሬድ ብድሙቅ ኹነታት ክኽበር ምዃኑ ተሓቢሩ ።

★ ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብኲናት ዝዓነዋ ትካላት ማይ ብልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ብር ተፀጊነን ።

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያ ባላ ብሰንኪ ኲናት ዕንወት በፂሒወን ዝፀንሓ ትካላት መሰተ ማይ ብልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ብር ተፀጊነን ግልጋሎት ምሃብ ምጅማረን ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

★ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጋምብያ ነበር፡ ፕረዚደንት ያህያ ጃሜ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝፈፆሞ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ብቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪድዎ።

ዑስማን ሶንኮ ኣብ 2016 ናብ ስዊዘርላንድ ሃዲሙ ዑቕባ ሓቲቱ እንተፀንሐ እውን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ነበር ዝተፈፆመ ግፍዒ መርትዖታት ኣቕሪበን ክስ ብምምስራተን እዩ ሕዚ ናይ 20 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ዘሎ ።

★ መንግስቲ ፕረዝደንት ባይደን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኦም ሓድሽቲ ኣፅዋር ናብ እስራኤል ክሰድድ ከምዝደሊ ንኮንግረስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሜሪካ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጋዛ ከተማ ራፋሕ ዝተፈፀመ ሓዱሽ ወራር ተቃውሞኣ ንምግላፅ ኣፅዋር ከምዘይትልእኽ ሓቢራ እንተነበረት ሕዚ ድማ ቕዋማ ብምቕያር ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዘውፅኡ ኣፅዋር ክትልእኽ ሙኻና ገሊፃ ኣላ ።

ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር 700 ሚልዮን ዶላር ተተኮስቲ ታንክታት፡ 500 ሚልዮን ዶላር ታክቲካዊ ተሽከርከርትን 60 ሚልዮን ዶላር ሞርታርን ከምዘጠቓልል ማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

★ ሩስያ ናብ ክሪሚያ ዝተወንጨፉ 10 ሚሳይላት ከምዘምከነት ገሊፃ።

ሚንስቴር ሓይሊ ምክልኻል ሩስያ፣ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ዩክሬን ናብ ክሪሚያ ዘወንጨፈቶም 10 ነዊሕ ርሕቐት ተጓዓዝቲ ሚሳይላት ከምዝኾኑ ኣፍሊጣ።

ኤቲ ኤሲ ኤም ኤስ ዝተብሃለ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ሚሳኤል መንግስቲ ኣሜሪካ ንዩክሬን ዝሃበታ እዩ ብምባል ትኸስስ።

ኣማሓዳሪ ክሪሚያ ዝኾኑ ሚካኤል ሮዝ ቨዛይቭ ብዝተገበረ ቅድመ ምርመራ ውፅኢት መሰረት ጉድኣት ዝበፅሖ ዜጋ የለን ክብሉ ገሊፆም።

ሩስያ ንክሬሚያ ቅድሚ 10 ዓመት ናብ ግዝኣታ ከምዘእተወታ ይዝከር። ምስ ዩክሬን ኣብ ዝግበር ዘሎ ኩናት ኣብ ካርኬቭ ሩስያ ዓወት እናቐንዓ ከምዝኾነ ድማ ይሕበር ኣሎ።

★ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዕፅ ምዝውዋር ሓዊሱ ኣብ ከበድቲ ገበናት ዝተዋፈሩ ወልቀ ሰብ ንከምልጥ ብዝተፈፀመ ድብያ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ፀጥታ ከምዝተቐተሉን ዛጊድ እቶም መጥቃዕቲ ፈፀምቲ ከምዘይተትሓዙ ተገሊፁ።

ኣብ ፈረንሳይ ‘ዘፍላይ’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዕፅ ኣዘዋዋሪ ንምምላጥ ኣብ ልዕሊ እሱራት መመላለሲት ተሽከርካሪ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ እንትቕተሉ ካልኦት ስለስተ ሰባት ድማ ቆሲሎም እዮም።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳያት ዓዲ ውሽጢ ጃራልድ ዳርሚኒን ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ፓሊሳት ዝተሳተፍሉ ኣለሻ እናተኻየደ ምዃኑ ተዛሪቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *