ማእኸል መሰልጠኒ ሰጋር ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ዙርያ ከባቢያዊ ፀጋታት ብምጥቃም ኣብ ምፍራይን ምግብን መናፅህን ተንከፍ ስልጠና ክህበን ዝፀንሐ ልዕሊ ሳላሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪቑ፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምርቓ ዝተረኸቡ ሙሁር ታሪኽ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ኣብ ዝሓለፉ ዝነበሩ ዘለውን መሰረታዊ ፀገማት ብምቕራፍ ንቐፃሊ ከባቢያዊ ሃፍቲ ናብ ጥቕሚ ብምውዓል መፍረይትን ተጠቀምትን ክንከውን ይግባእ ኢሎም፡፡
መስራቲ ማእኸል መሰልጠኒ ሞያ ሰጋር ኣይተ ኪዳነ ማርያም ገብረጫርቆስ ኣዶ ዓንዲ ሑቐ ስድራ ብምዃና ንደቂ ኣንስትዮ ነፃ ሞያዊ ስልጠና ክህብ ከም ዝፀነሐን ብምግላፅ ብቀሊሉ ክርከቡ ዝኽእሉ ፀጋታት ብምጥቃም መፍራያይነትን ተጠቀማይነትን ንምስፍሕፋሕ ብዘላቕነት ኣብ መናእሰይን ካልኦትን እውን ስልጠና ከም ዝወሃብ ገሊፆም፡፡
ስልጠንቲ ብወገነን ነቲ ዝተውሃበን ነፃ ስልጠና ሞያ ብምምስጋን ኣብ ቀረበአን ካብ ዝርከብ ፀጋታት ተጠቒመን ዝተፈላለዩ ምህርታት ብምፍራይ ተጠቃምነተን ከም ዘረጋግፃ ተዛሪበን ፡፡
ኣዶ ወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስተዮ ከተማ መቐለ ወ/ሮ ርግበ ኣብርሃ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ሕውየትን ምትብባዕን ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሑ ይግባእ ድሕሪ ምባለን ሞያዊ ስልጠና ዝወሰዳ ደቂ ኣንስተዮ ኣብ ምትእስሳር ዕዳጋ ማሕበር ደቂ ኣንስተዮ ከም እትሰርሕ ኣረዲአን፡፡
ትግቲቪ
