Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ንዝቐረበሉ ውፅኢት ምፅራይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ብመሰረት ንንውሕ ዝበሉ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋምን ምንቕቓፍን ዘሕለፎ ውሳነ፤ ሰለስተ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ኣብ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ተራእዮም ተባሂሎም ዝተደምደሙ ሕመቓት ክፃረ ምውሳኑ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ ኣብ ግዕዝይና ፣ ፀለመን ርክብ ምስ ፀላእን ዘፃርዩ ዘይሻራዊ ጉጅለታት ተጣይሾም ሰፊሕ ምፅራይ ከካይዱ ድሕሪ ምፅናሕ ውፅኢት እቲ ምፅራይ ኣመራርሓ ፀጥታ ትግራይን ዝተተክኡ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣቕሪቦም።

ጉጅለታት ምፅራይ ኣብቶም ዝተነፀሩ ጉዳያት ኢድ ዘለዎም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ነፂሮም ዘቕረቡ ኮይኖም ኣብቲ ዝቐረበ ውፅኢት ምፅራይ ምይይጥ ብምክያድ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ በቢዞብኡ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ከም ኣካልን ንነብሲ ወከፍ ኣባልን ዝቐረቡ ገምጋማት ቀሪቦም ግብረ መልሲ ብምሃብ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ሓሊፉ ኣሎ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ፅባሕ ኣኼብኡ ብምቕፃል ምስ ቀፃሊ ጉባኤ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ተመያይጡ ውሳነ ከሕልፍ ትፅቢት ይግበር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *