እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብፀላኢ ዝተትሓዝሉን ድሕሪ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምእታዎም ዝነበሮም ኩነታትን ብምግምጋም ገሊኦም ክቕፅሉ ገሊኦም ድማ ክባረሩ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ሓቢሩ ኣሎ ።
ብመሰረት እዚ ዶ/ር ኣዲሳለም ባሌማን ዶ/ር ኣብርሃም ኣባል ፈፃሚት ሰራሕ ፣ ከምኡ ድማ ዶ/ር ሰሎሞን ኪዳነ፣ ኣፅበሃ ኣረጋዊ፣ ኪሮስ ሓጎስን ፡ ዶ/ር ረዳኢ በርሀን ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝወሰነ ገሊፁ ኣሎ።
ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ካብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ካብ ኣባልነት ህወሓት ኣባሪሩ ኣሎ ክብል ቤት ፅሕፈት ህወሓት ሓቢሩ ።
