Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ዓለም- ለኸ መዓልቲ ደቅ ኣንስትዮ (March 8) 2024 ኣ .ፈ. ምኽንያት ብምግባር ንሓርበኛታት ዋዕርታት ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ንሕክምና ዝዉዕል ብዙም ምትእኽኻብ እቶት ኣካይዳ

ኣብቲ ብዙም ዝተኻየደ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ካብ ዉሽጢ ዓዱን ወፃእን ዝተረኸቡ እንትኸዉን ካብ ላዕለዎት አመራርሓ ትግራይ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሔር (መንጀሪኖ) ተረኺበን ኣብ ህልዉ ኩነታት መብርሂ ከምዝሃባ እታ ማሕበር ሓቢራ ።

ኣብ ኢኮኖምያዊ ፡ ማሕበራዉን ጥዕናዉን ፀገማት ደቅ ኣንስትዮ ህፃናትን ኣደታትን ትግራይ መብርሂ ዝሃባ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር (መንጀሪኖ) ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘሎ ብምግላፅ ነዞም ፀገማት ንምቅላል ኣብ ዉሽጢ ዓዱን ወፃእን ዘለዎ ደቅ ኣንስትዮ ብሓድነት ክንወፍረሉ ይግባእ ኢለን ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈፀሙ ከበድቲ ገበናት ተሓታትነት ክሰፍንን ፍትሒ ንክረጋገፅ ኩሉ ክቃለስ ከም ዘለወን ተጋዳሊት መንጀሪኖ ኣተሓሳሲበን ክብል ካብቲ ማሕበር ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት ።

ኣብቲ ዙም አኼባ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ዝተረኸቡ ኾይኖም ን ጀጋኑ ዋዕሮታት ሓርበኛታት ተጋደልቲ ንሕክምና ዝዉዕል ምትእኽኻብ እቶት ተኻይዱ እዮ ።

ማሕበር ደቅ ኣንስትዮ ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ብተመሳሳሊ ኣብ 2023 ኣ.ፈ. እዉን ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ እቶት ብምግባር ንአካል ጉዱአት ተጋደልቲ ንምስማዕ መሐገዚ ዝኸዉን ቴክኖሎጂ ንአስታት 105 ዝኾኑ ናይ ምስማዕ ፀገም ዘጋጠሞም ጀጋኑ ዝዉዕል ከባቢ ሐደ ሚልዮንን ክልተ ሚእትን ስሳን ሐሙሽተን ሽሕ ) ብር ዝወደአ መስምዒ ቴክኖሎጂ (signal hearing aid) ሓገዝ ገይራ ምንባራ ሓቢራ ።

ንቐፃሊ’ዉን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓገዛት ምስ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘሎ ፀገማት ብምግንዛብ ተወሰኽቲ ሓገዛት ንምግባር ትልሚ ከምዘለዎ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜርካ ናብ ትካልና ኣብዝለኣኸቶ ደብዳበ ሓቢራ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *