ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ተጋዳላይ ፍቓዱ መኮነን ፣ነዚ በዓል እንትነኽብር ታሪኽ ዝኸፈሉ ስውኣትና ብምዝካር ዝተሰውእሉ ዕላማን ክብርታትን ናብ ወለዶ ክሰግር ብምስራሕ እዩ ኢሉ።
ተጋዳላይ ፍቓዱ መኮነን መሪሕነት ትግራይ ሕድሪ ስውኣት ብምዕቃብ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ፀበባ ንምውፃእ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእ ክትግበር ክሓብር ፀዊዑ።
“ክብርታትን ፀጋታትን ለካቲት ” ብዝብል ኣርእስቲ መበገሲ መማያየጢ ፅሑፍ ዘቕረቡ ፕሮፌሰር ክንፈ ኣብረሃ ፣ህዝቢ ትግራይ በቢምዕሪፉ ዘጋጥምዎ ፀገማት ክሰግር ዘኽኣልዎ ክብርታት ኣለውዎ ኢሎም።
ለካቲት 11 ካብቶም ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ሓደ ዝኾነ ተቓሊስካ መሰልካ ምኽባር ዝተረኣየላ መዓልቲ ምዃና እውን ገሊፆም።
“ኣቲናዮ ዘለና መድረኽን ፀጋታት ለካቲት ተጠቂምና ከመይ ንወፅእ” ዝብል ፅሑፍ ዘቕረበ ተጋዳላይ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል ብወገኑ፣ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ዘለውዎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ክፈትሕ ዘኽእል ተሞኽሮን ውህሉል ዓቕሚን ኸምዘለዎ ገሊፁ።
ኣብዚ ፓነል ዝተረኸቡ ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይን ዕዱማት ኣጋይሽን ከም ህዝቢ ዘለውና ክብርታት ተሞርኪስና ህልዊ ፀገማትና ምስጋር ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።




