እታ ማሕበር ንሕክምና ሓርበኛታት ተጋደልቲ ዝዉዕል ልዕሊ 5 ሚልዮንን 756 ሽሕን ቅርሺ : ኣብ ሓደጋ ጥምየት ንዝርከቡ ወገናት ድማ ልዕሊ 2 ሚልዮንን 302 ሽሕ ቅርሺ : ብጠቅላላ እታ ማሕበር ልዕሊ 8 ሚልዮንን 58 ሽሕን ሓገዝ ምግባራ ተገሊፁ ኣሎ።
ማተሰኣ ኣብ ዝሓለፈ እዉን ማሕበረ- ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ዝዉዕል ኣስታት 12 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ምግባራ ይዝኸር።
ዳያስፓራ ትግራይ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ኹናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝዉላዕ ናብዚ : ድምፂ ህዝቦም ካብ ምዃን ብዝሰገረ: ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ሓገዛት ብምግባር: ኮታስ መከራ ህዝቢ ትግራይ ብቀፃልነት ንኸብቅዕ ኣብ ምንቅስቃስ ከም ዝርኸቡ ዝፍለጥ እዩ።
