Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ንጀጋኑ ጉድኣት ኲናት ትግራይ ብር 11,515,997 ሓገዝ ኣወፍዩ።

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ(ማተሰኣ) ብምኽንያት ፅንብል መበል 48 ዓመት 11 ለካቲት ካብ ኩለን ግዝኣታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኣከብዎ 11,515,997 ብር ንጀጋኑ ጉድኣት ኲናት ክውዕል ኣወፊዩ ኣሎ።

ኣባላትን መሪሕነትን እቲ ማሕበር ብ13 ጉንበት 2015 ዓ/ም ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ መሪሕ እጃሞም ከምዝፃወቱ ኣረጋጊፆም እዮም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ብወገኖም፣ ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ መኸተ ዘርኣይዎ ፅንዓትን ስምረትን፣ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እውን ክደግምዎ ከምዝግባእ ምፅወዖም ይዝከር።

ፍልፍል: ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
Office of the President-Tigray

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *