ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ መዕነዋይ ኩናትን ወራርን ስዒቡ ኣብ ሰብኣውነትን ስራሕቲ ሕውየት በሰላ ማሕበረሰብን ዝነበሮ ተበግሶን ተወፋይነትን ተረኺቡ ኣብ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ ኣፍሊጡ።
ማሕበር ቐይሕ መስቀል ነዚ ዘፍለጠ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቐይሕ መስቀልን ቐይሕ ወርሕን ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ።
ማሕበር ቐይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ብብርኪ ዓለም ንመበል 76 ግዘ ብብርኪ ሃገር ድማ ንመበል 65 ግዘ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ቐይሕ መስቀልን ቐይሕ ወርሒ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሩ ውዒሉ።
ኣብቲ በዓል ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሓላፊ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ መኮነን እቲ ማሕበር ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሕውየትን ሰብኣውነትን እናስነቐ መፂኡን ኣሎን እዩ ኢሎም።
ግዳይ እቲ ኲናትን ፀገማትን ዝኾነ ማሕበረሰብ እግሪ ንምትካልን ዝተበታተኸ ውዳበ ኣብያተ ፅሕፈት እቲ ማሕበር ዳግም ብምጥያሽ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ፃዕርታት ይገብር ብምህላዉ ነዚ ዕውት ንምግባር ትካላት ገበርቲ ሰናይን መላእ ማሕበረሰብን ክድግፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ ብግዶኦም ብሰንኪ መዕነዋይ ኲናት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ዘላቒ ክኸውን ትኹረት መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ይጠልብ ኢሎም።
ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ወኪል ዓለምለኸ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ሚስተር ኒኮላስ ኦሊቨር ማሕበር ቐይሕ መስቀል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዕውት ክኸውን ዕዙዝ ግደ ከም ዝነበሮ ብምዝኽኻር ኣብ እዋን ኲናት ዝስርሑ ስራሕቲ ሕውየትን ሰብኣውነት ብፍላይ ኣብ ዝተጎድኡ ከባብታት ትግራይ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ምንጪ፡ ድ/ወ
